ሃማደኤ – ብምኽንያት 20 ሰነ ማእቶታዊ ንጥፈታት የካይዳ
ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ማእቶታዊ ንጥፈታት ኣካዪደን። እቲ ብ15 ሰነ ኣብ ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ዝተኻየደ ወፈራ፡ ምዂስኳስ ኣግራብን ጽሬትን ዘጠቓለለ ምንባሩ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር ሚኒስትሪ ምክልኻል ሜጀር መርየም ዓብደላ ገሊጻ።
“ዝኽሪ 20 ሰነ፡ ኣበርክቶኻ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ንምሕያል መብጸዓኻ እተሐድሰላ ረዛን ዕለት’ያ” ዝበለት ሜጀር መርየም፡ እቲ መደብ ንወረስቲ ሕድሪ ታሪኽ ከመሓላልፋ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ገሊጻ። ተሳተፍቲ ብወገነን፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዘካይድኦ ወፈራዊ ማእቶት ምስ ሞሳን ክብርን ጀጋኑ ሰማእታት ከም ዘይዳረግ ጠቒሰን፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ዘለወን ቅሩብነት ዳግማይ ኣረጋጊጸን። እተን ኣባላት ኣብ መወዳእታ፡ ኣኽሊል ዕንባባ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ሰማእታት ኣንቢረን።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣባላት “ሄኮሎ” ዝተባህለ ጉጅለ ዲዛይነራት፡ ብምኽንያት’ዛ ረዛን ዕለት፡ ኣብ ፓርክ ሰማእታት ማእቶታዊ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዕላማ’ቲ ንጥፈት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ፍቕሮም ብዘይትትካእ ሂወቶም ዝገለጹሎም ሰማእታት ንዘለዎም ረዚን ፍቕሪ ብንኡስ መጠን ንምንጽብራቕ ከምዝኾነ ገሊጾም።