ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክ ኤርትራ – Hagerawit Ganta Olympic Eritrea

ዜና ስፖርት – ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ ዲ ጀኔሮ ብራዚል ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝሓለፈ ሰኑይ ንግሆ ናብ ሃገራ ተመሊሳ፣ እታ ጋንታ ኣህጉራዊ መዐርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ ሓለፍቲ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራን ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጋንታ ኣኽሊል ዕንባባ ብምብርካት ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ፣ እዛ 15 ኣትለታት ብምሕቋፍ፡ ኣብ ክልተ ዓውድታት ስፖርት –

ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክ ኤርትራ - Hagerawit Ganta Olympic Eritrea

ቅድድም ብሽግለታን ኣትለቲክስን ውድድራታ ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ ዘካየደቶ ውድድራት መዳልያ እኳ እንተዘይዓተረት ኣትለታታ ኣቃሊልካ ዘይረአ ደረጃ ከም ዝሓዙ ይፍለጥ፣ ኣብ ውድድራት ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ግርማይ ገብረስላሴ ራብዓይ፡ ኣማኑኤል መሰል መበል 21፡ ተወልደ እስቲፋኖስ መበል 60፥

ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዘርእሰናይ ታደሰ ሻሙናይ፡ ንጉሰ ኣምለሶም ታሽዓይ፡ ጎይትኦም ክፍለ መበል 24፥

ኣብ 5 ሽሕ ሜተር ጉያ ኣብራር ዑስማን ክሳብ ፍጻመ ብምብጻሕ ምስ ብሉጻት 10 ክስራዕ እንከሎ ህዝቂኤል ተወልደን ኣሮን ክፍለን ግና ናብ ናይ ፍጻመ ውድድር ክሓልፉ ከምዘይከኣሉ ይዝከር፣

ኣብ ናይ 3 ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ኣትለት የማነ ሃብተስላሴ ናይ መጻረዩ ውድድር ሰጊሩ ክሳብ ፍጻመ ክበጽሕ እንከሎ፡ ገዲም ኣትለት ነብያት ሃብተማርያም ድማ ኣብ ውድድር ማራቶን መበል 80 ደረጃ ሒዛ ውድድራ ከም ዝዛዘመት ይፍለጥ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ዝነበራ ሱታፌ ኣብቲ በዳህን ሓያልን ውድድር፡

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት መበል 43 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ እዩ፣ ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ምስ ናይዚ ዓመት እዚ ብምውሳኽ ንሓሙሻይ ግዚኣ ከም ዝተሳተፈት ዝፈልጠ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ግሪኽ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብዝረኸበታ ሓንቲ ነሓስ መዳልያ ጥራይ ኣዋህሊላ ትቕጽል ኣላ፣

Source: ሓዳስ ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close