ህዝቢ ሽዕብ-ሰለባን ደብረሲናን ልዕሊ ፲፯ ኪሎመተር ጽርግያኡ ይጽግን – Eritrean Renovation Of Over 17km Unpaved Road Between Sheeb And Seleban

ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ሽዕብ-ሰለባን ደብረሲናን፡ ብውሕጅ ተበላሽዩ ዝጸንሐ፡ ካብ ሓውሲ-ከተማ ኤደን ተበጊሱ ናብ ዓድታቶም ዝኣቱ ልዕሊ ፲፯-17 ኪሎ-ሜተር መስመር፡ ብወፈራ ይጸርጉ ኣለዉ።


ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ነቲ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ጐድኖም ከምዘሎ ኣረጋጊጹሎም።

ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ብምውህሃድ ህዝቢ ክልቲኤን ምምሕዳራት ከባቢ ዝስራሕ ዘሎ መስመር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ዘለዎ ረብሓ፡ ሕርሻዊ ፍርያቶም ብኣጋ ናብ ተጠቃሚ ንምብጻሕ እውን ኣዝዩ ከም ዝሕግዞም ገሊጾም።

ቢንቶታት ዘድልዮ ቦታታት ስለዘሎ፡ ንዋታዊ ደገፍ ክግበረሎም ድማ በቲ ኣጋጣሚ ሓቲቶም።

Source: Shabait.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close