ህዝቢ ኤርትራ ን፳፬-24 ግንቦት ብዓቢ ሓበን ተቐቢሉዋ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ን24 ግንቦት 2017 – ዝኽሪ መበል 26 ዓመት ናጽነት፡ ብዓቢ ሓበንን ብሩህ ተስፋን ተቐቢልዋ። ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ምስግጋር ናብ 24 ግንቦት ካብ ዘበሰረት ካልኢት፡ ሰማያት – መግለጺ ሰናይ ምንዮት ብዝኾነ ሕብራዊ ሪሽታት ክዂላዕ እንከሎ፡ ህዝቢ ድማ ንስለ ናጽነትን ልኡላውነትን ብዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ እናተሓበነን መብጽዓኡ እናኣሐደሰን፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ጓይላ ተኺሉ ክልሀ ሓዲሩ።
ትማሊ ሰዓት 6፡00 ናይ ንግሆ ድማ፡ ስለ ዝኽሪ’ታ ርእሰ-ኩሉ ሃገራዊ በዓላትና ዝኾነት ናጽነት፡ 21 ግዜ መድፍዕ ተተኲሱ። ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ንዝኽሪ ናጽነት ዝገብሮ ድሙቕ ስነ-ስርዓት፡ መርኣያ ናይቲ ስለኣ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ዝሓለፎ ምረትን ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ጽምብላት ናብ መድረኽ ምውርራስ ታሪኽን ጅግንነትን ይልወጥ ምህላዉ፡ እቲ ዝያዳ ባህታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓቢሮም።