ልኡኽ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ርክባትን ዑደትን ኣካዪዱ

AU Delegation in Eritrea - 2

ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ልኡኽ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ሚኒስተራት፡ ዋና ዳይረክተራን ካልኦትን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ርክባት ከምኡ’ውን ዑደት ናብ ኣፍረይቲ ትካላት ኣካዪዱ።

ልኡኽ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ርክባትን ዑደትን ኣካዪዱ እቲ ልኡኽ ምስ ምስ ሚኒስተራት ሃገራዊ ልምዓት፡ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ሚኒስትሪታት ዜና፡ ፋይናንስ፡ ጠቕላሊ ኦዲተርን ካልኦትን ኣብ ዘካየዶ ርክባት፡ ብዛዕባ’ቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 2013 ክሳብ 2063 ኣብ ዘሎ ሓምሳ ዓመታት ንኽትግበር ዝኣመሞ መደባት ልምዓትን ተራ ኣባል ሃገራትን ዘትዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ’ተን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ክትግበሩ ዝተሓንጸጹ መደባትን ኣገባብ ኣተገባብራኦምን፡ ከምኡ’ውን ተራን ተሳትፎን ኤርትራ ኣብ’ቲ መደባት ዝዝቲ ዓውደ-ዘተ ትማሊ ኣብ ኣስመራ ተቓኒዑ።

ኣብቲ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታት፡ ማሕበራትን መሻርኽትን ዝተወከሉ ተሳቲፎም ነይሮም። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ወርቃዊ እዮቤልዩ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ዝተኣመመ መደባት ዝምልከት ርእይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝገልጽ እማመ ኣቕሪቡ ነይሩ። መቐጸልታን ዝሰፍሐን ርእይቶ ከምዘቕርብ’ውን ናብ’ቲ ኮሚሽን መልእኽቲ ሰዲዱ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close