ሕማቕ ባህርያትካ ንምእላይ ዝሕግዙ መንገድታት – How To Stop Smoke Addiction!

ክብደት ሰብነትካ ከተጉድል፡ ኣብ ኣመጋግባኻ ምምሕያሽ ክትገብር ወይ ምውስዋስ ኣካላት ከተዘውትር የድልየካ
ድዩ? ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ደሊኻ ኣለኻ ዲኻ? ክትድቅስ ኣብ እትደልየሉ እዋን ሕማቕ ነገራት ናብ ሓንጎልካ እናመጸ ልዋም ይኸልኣካ ድዩ?

ምስ ሰባት ከተዕልል እንከለኻ ሕፍረት ይስመዓካ ድዩ?

ተለቪዥን ኣብ ምዕዛብ ብዙሕ ግዜ ተጥፍእ ዲኻ? ወይ ውሉፍ ናይ ገይም ምዃን የጽልኣካ ኣሎ ዶ?

ነዞም ሕቶታት ‘እወ’ ኢልካ ትምልሶ እንተለኻ፡ ኣብ ኣካይዳኻን ጠባያትካን ውልቃዊ ዝኾነ ለውጢ ምግባር የድልየካ ከም ዘሎ ኣስተብህል።

ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ፡ ሰባት ነቲ ዘለዎም ሕማቕ ወልፍታት ኣለልዮም ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዞም
ነጥብታት ዘርዚሮም ኣለዉ።

ገለ ካብኡ፦
1. ነቲ ሕማቕ ባህሪ ወይ ልምዲ ብዝግባእ ኣለልዮ። ነቲ ለውጢ ከተርእየሉ ደሊኻ ዘለኻ ተግባር ኣድቂቕካ ፍለጦ። ካብቲ ሕማቕ ባህሪ ምልዋጥካ ክትረኽቦ እትኽእል ረብሓ ድማ ብዝግባእ ኣስተብህለሉ።
ንኣብነት፡

“ብዙሕ መግቢ እናበላዕኩ፡ ውሑድ ድማ ምውስዋስ ኣካላት የካይድ ስለ ዘለኹ ክብደት ሰብነተይ ይገዝፍ ኣሎ”

ምባል እቲ ጠንቂ ምግዛፍካ ኣለሊኻዮ ኣለኻ። ስለዚ፡ ነዚ ሕማቕ ልምዲ ብኸመይ መንገዲ ተጥፍኦ መንገዲ ፍጠር። ክብደት
ሰብነትካ እናወሰኸ እንተኸይዱ ግና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሕማማት ክትከውን ኢኻ።

2. መነጻጸሪ መስመር ኣውጽእ፦

መነጻጸሪ መስመር ከተውጽእ፡ ፈለማ ነዚ ሕጂ ዘለካ ባህርያዊ ደረጃ (behavior level) ብዝግባእ ኣለሊኻ መዝግቦ። ልዕሊ ንቡር ምምጋብ እንተኾይኑ እቲ ጸገም፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን በብመዓልቲ ክንደይ ዝኣክል ካሎሪ ኣህሊኽካ ከም ዘለኻ ብዝግባእ ከተለሊ ጸዓር። ምትካኽ ሽጋራ እንተኾይኑ እቲ ጠንቂ፡ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ዝኣክል ሽጋራ ተትኽኽ ከም ዘለኻ ኣስተብህል።

ከምዚ ምግባራካ፡ ምስቲ ተምጽኦ ዘለኻ ለውጢ ንምንጽጻር ክሕግዘካ ኢዩ።

3. መደባትካ ኣነጺርካ ፍለጥ፦
ቀጻልነት ናይቲ ከተማዕብሎ ደሊኻ ዘለኻ ሓዲሽ ጠባይ ንምትርናዕ፡ እወታዊ ዝኾነ ራኢ ይሃልኻ። ነቲ ለውጢ ክተምጽእ ብዝተፈላለዩ መንገዲ ዝደጋገፉኻ ሰባት ክህልዉኻ ቦታ ክፈት። ንምንታይ ለውጢ የድልየካ ኣሎ ድማ ብዝግባእ ፍለጥ። ምስ
ተለወጥካ ክትረኽቦ እትኽእል ረብሓ ኣስተብህለሉ።
ነቲ ዘየድልየካ ጠባይ ወይ ልምዲ ንምጥፋእ፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ከተዘውትሮ ካብ ዝገብሩኻ ሃዋሁ ወይ ከባቢ ርሓቕ። ንኣብነት ተለቪዥን እናረኣኻ ከይተረድኣካ ብዙሕ መግቢ ተህልኽ እንተለኻ፡ ተለቭዥን ምዕዛብ ኣቋርጽ ወይ ናብ ዝተወሰነ ሰዓታት ኣውሕዶ። ቀጻሊ ሽጋራ ብእትገዝኣላ ዱኳን ካብ ምሕላፍ፡ ብኻልእ መንገዲ ክትሓልፍ ምፍታን፡ ነታ ሽጋራ ንኽትዝክራ ዘሎ ተኽእሎታት ከተውሕዶ ይከኣል ኢዩ።

4 የዐውተኒ ኢዩ ትብሎ መደብ ሓንጽጽ፦
ነቲ መደብ ሓንሳብ እንተጀሚርካዮ፡ ንኽትዕወት ምእንቲ ንነዊሕ እዋን ብዘይምቊራጽ ከተተግብሮ የድሊ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ዝኾነ ምምሕያሽ ምስ ዘይተርኢ፡ ነቲ መደባትካ ብዝግባእ ክትክልሶ ፈትን። ምናልባት እቲ ክትበጽሖ ደሊካ ዘለኻ ዕላማ ኣዝዩ ከቢድ ወይ’ውን እቲ ነቲ ሸቶ ንምህራም ትጥቀመሉ ዘለኻ ኣገባብ ዘይሳነ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

5 ነቲ ለውጢ ዓቅቦ፦

ሓንሳብ ዕላማኻ እንተወቒዕካ፡ ክትዕቅቦ ምፍታን እቲ ዝዓበየ ስራሕ ኢዩ። እቲ ኣምጺእካዮ ዘለኻ ለውጢ  ነዊሕ ተጸሚምካ እምበር ቀልጢፉ ዝመጸ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ናብቲ ልምዲ ከይትምለስ ተጠንቀቕ።

ምንጪ፦ Essentials of psychology

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close