መምህርን ስነ-ጥበባዊን ኣላሚን ዓብዱልለጢፍ ዓሪፉ – RIP Eritrean Artist And Teacher Alamin Abdelatif

ሰብ ይሓልፍ ስም ይተርፍ፡ ኣቦና ሓውና ስነ/ጥበባዊ ኡስታዝ ኣላሚን ዓብዱልለጢፍ በቲ ዘይነጽፍ ዛራ ጥበቡ ወርቃዊ ታሪኽ ጽሒፉ ምስ ክብሩ ናብታ ስፍራ ኩልና ሓሊፉ፡ መምህር ኣልኣሚን ዓብዱልለጢፍ፡

መምህር ናይ ፍቕሪ መምህር ናይ ባህሊ መምህር ናይታሪኽ መምህር ናይ ሃገር፡ ሙዃኑ እቲ ትማሊ ዝተወልደ ቆልዓ ጌና ዘይዓኾኸ፡ “” ይማ “” እናበለ ክዝይም ፡ እቶም ስነት መምህር ኣላሚን ዝኾኑ ፡

ንፍቕሪ ሃገሮምን ክገልጹን ባንዴራ ሃገሮም ንምድላይ፡ ” ላለ ዎላለ ፋጥና ዛህራ፡ ማለ ሓልፈት ቤለዎ እግል ኣስመራ ” ኢሉ ብጥበቡ ንናጽነት ክደርፈላ፡ ጎበዝ ነዚ ሰሚዑ ክስዕብ ኣሰራሰራ፡

ኣጓብዝ ፍቕሮም ክገልጽሉ ዝኽእሉ “ኣዋልድ ዓጀ ” ኣና ግርመት ርኤኮ ግርመት ኣማን” መልክዕ ርእየ ጽባቐ ብሓቂ እናበለ ክሓሊ፡ ” ክሳብ መኣስ እዩ ተወጢጡ ከብዲ፡ ጥዑይ ይኹን ሕሙም ቀልጢፍኪ ውለዲ” ብስነጥበባዊ ንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ኣብ 70ታት ዝተደርሰት ዝደረፈ “ዓምሳት ህሌት ውላዳ ለርኤኒ” ጥንስቲ እያ ውላዳ የርእየኒ እናበለ ኣብ 70ታት ብደርፊ ንምንዮት ናጽነት ዝደረፈ፡

“ይማ ይማ” እናበለ ፍቅሪ ወላዲት ዝደረፈ፡ ቁንጣሮ ካብ ደርፊታቱ ኮይኑ፡ ዘይሃስስን ወትሩ ኣብ ልብና ተኾሊዑ ዝነብርን፡ ክብሩን መምህሪን፡ ኣቦ፡ ሰውራን ቃልሲን፡ ኣቦ ቅኒትን ደርፊን ፡ ኣቦ ታሪኽን ባህሊን፡ ኣቦ ሓድነት ፍቕሪን፡ ንዘልኣለም ተኸቢሩ ዝነብር ሓወልቲ ህዝቢን ሃገርን እዩ፡ ንኹሎም ስድራቤትን ፈተውትን፡ ንመንግስቲን ንብምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብ፡ ንነፍሰሄር መም ኣላሚን መንግስተሰማይ የዋርሶ፡

ብርዒ ሓቂ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close