መንግስቲ ሰማይ ይዋረሶ ንሓውና ሓበን ካብ ስውደን – RIP
መንግስቲ ሰማይ ይዋረሶ ንሙሉእ ስድራቤት ጽንዓት ይሃብኩም።
ኣብዚ ስእሊ ከም ንርእዮ ሎሚ ኣብታ ካብ ስቶክሆልም 3 ሰዓት ርሒቓ ትርከብ ከተማ Eksjö ፡ ነቲ ብረቡዕ 23 ታሕሳስ 2020 ፖሊስ ሽወደን “ይሰርቕ ኔሩ” ብዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምኽንያት ተኲሶም ዝቐተሉዎ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ ሓውና መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብነበርቲ ናይታ ከተማን ከባቢኣን ዝተገብረ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት’ዩ።
መንእሰይ ሓበን ንኣስታት 5 ዓመት ብምኽንያት ናይ ኣእምሮ ሕማም ፡ ኣብ ትሕቲ ኣለይቲ ክእለ ዝጸንሐ ኮይኑ ፡ ኣብ ገዝኡ እንከሎ ብፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ሂወቱ ምሕላፋ ተፈሊጡ’ሎ ። እቲ ጉዳይ ጌና ብሕጂ ይጅምር ምህላዉን ኣብ ምጽራይ ምህላዉን እንዳሓበርኩ ንሓውና ሓበን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንስድራቤቱ ድማ ኣኻእሎን ምጽንናዕን ይሃቦም ክብል ይደሊ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን Share ብምግባር እዚ ሓበሬታ ናብ ህዝብና ክበጽሕ ሓግዙና ። እቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሽወደን ትርከቡ ድማ ኣብ ከባቢኹም ንዘለዉ ኣካላት ሜድያን ፖሊስን መንግስቲን ድምጽኹም ብምስማዕ ነዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሓበን ጽባሕ ኣብ ልዕሌና ክፍጸም ዝኽእል ዘቖጥዕ ገበን ጠጠው ንምባል ስለ መጻኢኹምን ክብርኹም ኣብ ጎድኒ ስድራ ሓበን ደው በሉን ንበልን !!!!