መገዲ ኣየር ኤርትራ – ኣስመራ – ካይሮን ሚላኖን በረራ ጀሚሩ

መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ መስመራት በረራኡ ንምስፋሕ ብዘውጸኦ መደብ መሰረት፡ ካብ ፱-9 ታሕሳስ ፳፻፲፯-2017፡ ካብን ናብን ኣስመራ – ካይሮን ሚላኖን ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ።

ሓላፊ ንግዲ ናይ’ቲ መገዲ ኣየር ኣቶ ገብረትንሳኤ ጴጥሮስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመት ኣትሒዙ ካብን ናብን ከተማታት ካርቱም፡ ጅዳን ዱበይን ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጸንሐ፡ እዚ ናይ ካይሮን ሚላኖን መስመር ድማ ንገያሾ ኣማራጺ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ፡ መገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ፳፪-22 ታሕሳስ ፳፻፲፯-2017 ጀሚሩ እውን ናብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን በረራ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close