ሰምበል – ህንጻ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ኣብ ምዝዛም በጺሑ – Construction of Canalization

ጥዑም ዜና – ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ሰምበል ዝሰላሰል ዘሎ መስመራት ረሳሕ ፈሳስን ኣብ ክራማት ዝኽሰት ውሕጅን ናይ ምጽጋን ስራሓት፡ ኣብ ደረጃ ምዝዛም ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ናይ’ቲ ዞባ ሓላፊ ጨንፈር ካልኣይ ደረጃ ጽርግያታት ገሊጹ። ኢንጂነር ምሕረትኣብ ሃይለማርያም ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡

ብሓፈሻኡ ብቑዕ ትሕተ-ቅርጺ ንምውዳድ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብፕሮጀክት ‘ሰምበል ፪(2)’ ዝፍለጥ ኣብ ፫፻፶(350) ሄክታር ዝድኰን ህንጻ መንበሪ ኣባይቲ፡ ብድምር ፶፮(56) ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ መስመራት ረሳሕ ፈሳስን ውሕጅን፡

%e1%88%b0%e1%88%9d%e1%89%a0%e1%88%8d-%e1%88%85%e1%8a%95%e1%8c%bb-%e1%88%98%e1%88%b5%e1%88%98%e1%88%ab%e1%89%b5-%e1%88%a8%e1%88%b3%e1%88%95-%e1%8d%88%e1%88%b3%e1%88%b2-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%9d

ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብ ኣረዲኡ። እቲ ጨንፈር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ዝተበላሸወ ጽርግያታት ኣብ ምጽጋን ክነጥፍ ምጽንሑ፡ ጎድኒ-ጎድኑ ድማ ኣብ ጐደና ሓርነትን ጐደና ተጋደልትን ፬(4) ሽሕ ትርብዒት ሜተር ዝኣረገ መንገዲ ኣጋር ከምዝጸገነ እውን ገሊጹ። ኣብ መስመር ጎዳይፍ – ሰምበል ፬(4) ኪሎ-ሜተር፡

ኣብ መስመር ጸጸራት – ቪላጆ ድማ ሓደ ኪሎ-ሜተር ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝጸንሐ ጽርግያ’ውን ፷(60) ሚእታዊት ከምእተዓመ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብ፡ ኢንጂነር ምሕረትኣብ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ብዘይካ’ዚ እቲ ጨንፈር፡ ንምልክት ድሕነት ትራፊክ ዘገልግል፡ ኣብ ጎደና ሓርነት፡

ጎደና ሰማእታትን ጎደና ደንደንን ፲፫፻(1300) ትርብዒት ሜተር ጽርግያ ቀቢኡ። ጨንፈር ካልኣይ ደረጃ ጽርግያታት ዞባ ማእከል፡ ኣብ ምስራሕ መስመራት ረሳሕ ፈሳስን ውሕጅን፡ ምስራሕን ምጽጋንን ጽርግያታትን መንገዲ-ኣጋርን ከምኡ’ውን መሰጋገሪ ኣጋር ምልክት ድሕነት ትራፊክ ምቕባእ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት የሰላስል። 

Source: Haddas Eritrea

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close