ቃለ-ቡራኬ ብምኽንያት በዓል ልደት

ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ቃለ ቡራኬ ሂቦም። ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ቡራኬኦም፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ ዜጋታት፣

ኣብ ምሕላው ወሰናስን ሃገርን ልምዓትን ተዋፊሮም ንዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ንዝርከቡ ሕሙማን፣ ብሓፈሻ ንኹሎም መእመናን “እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብቅዓኩም” ኢሎም።

Eritrean Orthodox Church Patriarch - Abune Lucas - Geez Christmas - Blessings

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ከምቲ ቅዱሳን መጽሓፍትና፡ “እቲ ንሓዉ ዘፍቅር ንኣምላኽ ኣፍቀረ” ዝብሉና፣ “ንጽጉማት ምስ እንሕግዝ፡ ንስኡናትን ዘይብሎምን ምስ እነማቕል፡ ንስድራ ቤት-ስዉኣት ምስ እንጥውር፡ እቲ እነብዕሎ በዓል ዕግበትን ቅሳነትን ይህበና” ብምባል፡ ክንትግብሮ ተማሕጺኖም። በዓል ልደት በዓል ፍቕርን ሰላምን፣ 

በዓል ሓድነትን ስምረትን ኪገብረልና ሰናይ ምንዮቶም ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ ህዝቢ ሓድነቱ ዓቂቡ ኣብ ኩሉ ዝካየድ ልምዓታዊ ስራሓት ክሳተፍ ኣዘኻኺሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close