በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ

በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ

በዓል ጥምቀት ብ19 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ ውዒሉ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መእመናንን ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ብድሮ ካብ ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ባሕረ ጥምቀት ዝሓደሩ ታቦታት፡ በዓል ተራ መካነ-ሰማእት ቅዱስ-ጊዮርጊስ፡ ብቅዱስ ፓትርያርክን ብጹኣን ጳጳሳትን እናተመርሑ ስብሕተ እግዚኣብሄር ከብጽሑ ሓዲሮም።

ትማሊ ንግሆ ብመሪሕነት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ – ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ብጹኣን ጳጳሳትን ብለባስያን መዘምራን ካህናትን ሊቃውንትን ተመሪሖም፡ ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ቅዳሰን ጸሎተ ወንጌልን ኣዕሪጎም።

ኣብ’ቲ ጽንብል፡ ሊቃነ ጉባኤ በየነ እያሱ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ’ቲ በዓል ዝምልከት ስብከት ድሕሪ ምስማዕ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብቅዱሳን ጳጳሳት ተሰንዮም ንባሕረ-ጥምቀት ባሪኾም ናብ ህዝቢ ነጺጎሞ። ኣብ መወዳእታ፡ ካህናትን ሊቃውንትን ነቲ በዓል ዝምልከት ዜማ እናኣስምዑ ብሓባር ሽብሸባ ድሕሪ ምክያድ፡ ቡራኬ ተዋሂቡ ታቦታት ብመእመናን ተሰንዮም ነናብ ደብሮም ተመሊሶም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት – ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕና ብምዕባዩን ሓፈሻዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብምምሕያሹን፡ መጠነ ሞት ኣደን ህጻንን ከምዘንቈልቈለ፡ ሓላፊ ማእከል ጥዕና ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ፍሻለ ገብረድንግል ሓቢሩ።

ነርስ ፍሻለ ኣብ ሓበሬታኡ፡ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ተጠቃምነት ትካላት ጥዕና ዝጸንሖ ድሩት ኣፍልጦ እናዓበየ ብምኻዱ፡ ነፍሰ-ጾራት ግቡእ ክትትል ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ የካይዳ ከምዘለዋ ጠቒሱ፡ እቲ ለውጢ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ መላእ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ጥዕናዊ ኣስተምህሮታትን ጎስጓሳትን ምዃኑ ኣብሪሁ።

Source:
http://74.63.78.28/feb2012/haddas_ertra_21012013.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close