ኣምባሳደር ጴጥሮስ ወረቐት ስራሑ ንፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኣቕሪቡ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ፡ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣዘርባጃን ብምዃን፡ ወረቐት ስራሑ ንፕረዚደንት ዶክተር ኢልሃና ኣሊየቭ ኣረኪቡ።

eritrean-ambassador-petros-of-russia

ኣብቲ ብቐዳም 5 ሕዳር ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣምባሳደር ጴጥሮስ፡ ሰላምታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምምዕባል ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣልየቭ ብወገኑ፡ ዝምድና ኣዘርባጃንን ኤርትራን ኣብ ባህላዊ፡ ቊጠባዊ፡ ንግዳውን ካልእ መዳያትን ክዓቢ ንዘሎ ድሌት ሃገሩ ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥዕናን ኣሳልጦ ስራሕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close