ኣብ ዕግርግር ጎንደር ሰባት ሞይቶም ሆቴላት’ውን ዒላማ ኮይኖም – VOA – Killings during Gonder Protest in Hotels


ዜና – ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጎንደር ብጠንቂ ዝተላዓለ ግጭት ንብረት ከምዝዓነወን ህይወት ከምዝጠፍአን፣ ወኪል ኮሚተ ሕቶ መንነት ወልቃይት’የ ዝብሉ ኣቶ ኣደራጀው ዋኜ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ ጎንደር ብፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ተኸቢቦም ዝነበሩ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ’ውን፣ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዕግርግር ጎንደር ሰባት ሞይቶም ሆቴላት’ውን ዒላማ ኮይኖም - VOA - Killings during Gonder Protest in Hotels

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝዓረዱ ሓይልታት ፀረ ሰላም መምርሒ እናተቀበሉ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፣ ሰባት ዝቀተሉን ብሕጊ ዝድለዩን ካብ ዝነበሩ እቲ ሓደ ተጠርጣሪ ሎሚ ኢዱ ከምዝሃበ ገሊፁ።

እቲ ተጠርጣሪ ሎሚ ንፖሊስ ኣምሓራ ኢዱ ከምዝሃበ ሃገራዊ ሓበሬታን ኣገልግሎት ድሕነትን፣ ፌደራል ፖሊስን ግብረ-ኃይሊ ፀረ ግብረ-ሸበራን ኣፍሊጡ።

ብጠንቂ ዝተፈጥረ ህውከት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባትን ኣብያተ ንግዲን ጥፍኣት ከምዝወረደ’ውን እቲ መንግስታዊ መግለፂ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close