“ኣደነት” ብኸመይ ምገለጽናዮ?

ሰብኣይ፡ ምስ ሓንቲ ምህርቲ ስነ-ልቦና ብጉዳይ ስራሕ ይዘራረብ ኣሎ። መጀመርያ “እንታይ እዩ ስራሕካ?” ክብል ተሓቲቱ። ኩርዕርዕ እናበለ፡ “ክኢላ ስነ-ሕሳብ እየ” ክብል መሊሱላ።

በዓልቲ ቤትካ’ኸ እንታይ እያ ትሰርሕ?” ካልአይቲ ሕቶ ነበረት። እቲ ሰብኣይ ነዛ ሕቶ ምስ ሰምዐ ሰሓቕ ክሞልቆ ደለየ። “ኣሃሃ… በዓልቲ ቤተይ ኣይትሰርሕን እያ። ስራሕ የብላን። በዓልቲ ሓዳር እያ” መለሰ። እታ በዓልቲ ሞያ፡ ኣዒንታ ካብቲ ሰብኣይ ከይፈለየት፡

ኣደነት ብኸመይ ምገለጽናዮ

“ኣብ ገዛኹም ቁርሲ፡ ምሳሕ ድራር መን የዳሉ?”

ሓተተት። ቁሩብ እንተተሰቆሮ ኢላ። ሽዑ’ውን፡ “በዓልቲ- ቤተይ እያ ትገብሮ። ምኽንያቱ ስራሕ የብላን” ከይሓፈረ ደርጓሓላ። ብመልሱ ዘይተሓጐሰት በዓልቲ ሞያ፡ ስርሓ ከተቋርጽ ኣይመረጸትን።

“በዓልቲ ቤትካ ሰዓት ክንደይ ትትስእ?”

ሓተተት። “ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ንጉሆ ኣቢላ። ምኽንያቱ ቅድሚ ቁርሲ ምድላዋ ቤት ከተጸራሪ ኣለዋ።”

“ደቅኻ’ኸ ንትምህርቶም መን የብጽሖም?”

“እዋእ ኣነ ስራሕ ስለዘለኒ ከብጽሖም ኣይክእልን እየ። በዓልቲ ቤተይ ግን ስራሕ ስለዘይብላ ባዕላ እያ ተብጽሖም።” ሓደ ብሓደ ጋእ ከይበለ መለሰ። እታ በዓልቲ ሞያ፡ እቲ ሰብኣይ ካብቲ ሕቶን መልስን ዝኾነ ነገር ክርዳእ ብዘይምኽኣሉ ፍጹም ደንጸዋ። ግን ክሳዕ ዝርደኦ ክትሓቶ ወሰነት። “ድሕሪ ንቘልዑ ናብ ትምህርቲ ምብጻሕ፡ እንታይ ትገብር?” ኩሉ ዝሕተቶ ዝነበረ ንምምላሱ ከቢድ ኣይነበረን። “ገዛ ተጸራሪ፡ ክዳውንቲ፡ ኣቕሑ ትሓጽብ፡ መግቢ ተዳሉ።

ምኽንያቱ ስራሕ የብላን” መለሰ ሽዑ’ውን። “ብድሕሪኡ’ኸ?” “ብድሕሪኡ፤

ቈልዑ ካብ ትምህርቲ ተምጽእ ተመሳስሓና፡ ቈልዑ ትሓጽብ፡ ገዛ ተጸራሪ፡ ድራር ተዳሉ። ምኽንያቱ ስራሕ ስለዘይብላ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ገዛ እያ ትውዕል።” መለሳ ዘይብሎም መልስታት። በዓልቲ ሞያ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክትሰምዕ ኣይደለየትን። እንታይ’ከ ክትውስኽ። እንተዀነ፡ እቲ ካብ ንጉሆ ክሳዕ ምሸት ኩሉ እትገብሮ እናዘርዘረ፡ “ስራሕ የብላን” ንዝብሎ ከተረድኦ ነይሩዋ።

በለቶ ድማ፡ “እሞ እዚ ኩሉ እትሰርሖ ዝዘርዘርካዮ ዘይውዳእ ስራሕ፡ ስራሕ ስለዘይብላዶ ትብሎ? እንተትዕቅኖ ካብ ናይ ክልቴኹም ኣየናይ ይበዝሕ? ኣየናይከ ይረዝን?” ምስ በለቶ፡ ዝሰሓቶ ነገር ከምዘሎ ከስተውዕል ጀመረ። ተራ ኣደ ወይ በዓልቲ ቤት፡ ኣብ ትምህርቲ ኬድካ ትመሃሮን መዓርግ ትወስደሉን’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝዓበየን ኣገዳስን ምዃኑ ምስሓቱ ግና ጌጋ ከም ዝነበረ ሓበረቶ።

መስዋእትታት በዓልቲቤቱ ቈጺርካ ዘይውድኡ ምዃኖም ብምግላጽ ከኣ፡ ወትሩ ከድንቓን ከኽብራን መዓደቶ። * * *

ዶክተር ኣይኮንኩን፡ ኣደ እየ ዝኸውን በዓል-ቤታ ክልተ ቈልዑ ምስ ወለዱ እዩ ትምህርቱ ብዝለዓለ ንኽቕጽል፡ ደቁ ጌና ብህጻንነተን ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ። ነዊሕ ዓመታት ድማ ባዕላ እናተኸናኸነት ኣዕብያተን። ከምቲ ዝሓሰብዎን ከም ውጥኖምን ድማ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት፡ ብዶክተረይት ተመሪቑ ናብ ዓዱን ስድራኡን መጺኡ ተሓወሰ።

“እቲ ናይ ነዊሕ ሕልምኻ፡ ኣብ መጠረሽታኡ ምብጽሑ ሕጉስቲ እየ” ኢላ ሓጐሳ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስዒባ “ደቅና ከኣ ተስፋ እገብር ናትካ ወሲደን ሓደ መዓልቲ ዶካትር ክኾና” በለቶ። እታ ንእሽቶ ጓሎም ንዘረባ ኣዲኣ ኩልፍ ኣቢላ፡ “እምቢ ማማ ኣነ ዶክተር ኣይከውንን እየ” በለቶም። ኣቦኣ እናሰሓቐ፡ “ኦ.. ንስኺ ከምታ ንፍዕቲ መምህርኪ፡ መምህር ኢኺ ክትኮኒ ምሽ?” ኢሉ ሓቖፋ።

መምህር’ውን ክትከውን ከምዘይትደሊ ሓበረቶም። ቈልዑ ዝብህጉዎን ዝምነዩዎን ክቡር ሞያታት እናጸውዑ ኣምረጹዋ። ንሳ ግን ኩሉ ከምዘይትደልዮ ኣቕበጸቶም። ብኩነታታ ተገሪሞም ኣብ መጠረሽታ እንታይ ክትከውን ከም እትደሊ፡ ባዕላ ክትነግሮም ምስ ሓተቱዋ፡ “ልክዕ ከም ማማ፡ ምስ ዓበኹ ኣደ ክኸውን እየ ዝደሊ” ምስ በለቶም ኩሎም ደንጸዎም። ልክዕ ከምቲ ኣዲኣ እትገብሮ፡ ሓደ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነት ብዙሕ ስራሕ ክትዓምም ከም እትደሊ ኣረጋገጸትሎም።

ልክዕ ከምቲ ንዓአን፡ እናከሸነት እትምግበን፡ እናሓጸበት ትኸድነንን ተብልዐንን፡ እናተመላለሰትን እናደኸመትን ተምህረን፡ እናዘመረትን እናደረፈትን እተዘናግዐን፡ እናገንሐትን እናቐጽዐትን ትእርመንን ትምህረንን፡ ገይራ ሰብ ከተፍሪ ከምእትደሊ ናይ መጻኢ ብሉጽ ሕልማ ኣግሃደትሎም። * * * ስረሐይ “ኣደነት” እዩ ሓንቲ ዕድመ ድፍእ ዘበላ ኣደ እየን። ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ዝኽፈል ስለዝነበረን ይኸዳ።

ኣብቲ ትካል ብዝሒ ዝኸፍል ሰብ ስለዝጸንሐን ተርተአን ሒዘን ክጽበያ ኮፍ በላ። ድሕሪ ግዜ፡ ተርተአን ቀሪቡ እተን ቅድሚኤን ተሰሪዐን ዝነበራ ኣደ ናብቲ ጸሓፊ ቀረባ። “ስራሕክን እንታይ እዩ ኣደ?” ክብል ይሓተን። ስረሐን “ኣደነት” ምዃኑ ይነግራኦ። እቲ ሰብኣይ መልሰን ስለዘይተበረሆ፡ ቀው ኢሉ ጠመተን። “ኣደ፡ ስራሕ ኣለክን ዲዩ? ትሰርሓ ዲኽን?” ኢሉ ድምጹ ኣበርኽ ኣቢሉ ሓተተን።

“ኣንታ ወደይ ይሰርሕ’ወ ካብ ለይቲ ንጉሆ ክሳዕ ለይቲ ምሸት” በላኦ እናሓረቓ። ቁሩብ ድሕሪ ምሕሳብ፡ “ኣሃ! ደሓን ተረዲኤክን ኣለኹ፡ በዓልቲ ሓዳር እየ ደኣ ዘይትብላኒ” ብምባል ኣብቲ ዝምላእ ወረቐት፡ “በዓልቲ ሓዳር” ኢሉ መልኦ። እተን እናተጸበያ ኩሉ ክርክር ክሰምዓ ዝጸንሓ ኣደ ሪጋአን ኣኺሉ ካብ ኮፍ ዝበላሉ ተንሲአን ናብቲ ሰብኣይ ቀረባ። ንዐአን’ውን እታ ሕቶ ሓተተን።

“ስራሕክን እንታይ እዩ ማማ?” ዕትብ ኢለን ዓይኒ ዓይኑ እናጠመታ፡ “ስረሐይ ብዙሕ እዩ። ክዝርዝረልካ እንተደሊኻ ድማ፡ መምህር፡ ሓኪም፡ ኣሰልጣኒት፡ ኣማሓዳሪት፡ ኣማኻሪት፡ በዓልቲ ሞያ ስነ-ልቦና፡ ደራፊት፡ ሰፋይት፡ ኮኮ…” በላኦ። እቲ ሰብኣይ ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ቃል ከየውጸአ ብምግራም ጥራይ ጠመተን። “እወ ዝወደይ፡ ኣደ ኩሉ እያ። ኣውሒደልካ እውን። ዝተረፈ ካልኦት ክምልኣልካ እየን” ኢለናኦ ናብ ገዝአን ኣምረሓ።

ሓዳስ ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close