ኣገዳሲ ሓበረታ ን ኤርትራዊያን ብዛዕባ ተቓውሞ መንግስቲ ሆላንድ
ሕሉፍ ተጻብኦ ናይ ንግስነት ነዘርሊንድስ (ሆሊንድ) : ኩለ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ዘይቅደስ ተግባር ዓገብ ክብሎ ስለዝግባእ ብኦንላይን ፐቲሽን (on-line petition) ክሳብ ዕለት 20.11.2020 ተቓውሞና ንግለጽ
ዝኸበርክን/ዝኸበርኩም : ሓሇፍቲ /ሃገራዊ ሽማግሇ ከተማታት :
ሃገራዊ ሰሊምታና ብምቕዲም : ኣብ ማሕበራዊ ሂወትኩም ምለእ ጥዕናን ኣሳልጦን ንምነየልኩም ::
COVID-19 ዘስዕቦ ዘሎ ማሕበራዊ ጸቕጢ ኣብ ግምት ከይዘንጋዕና : እዋናዊ ግን ከኣ ክንዓሞ ዝግበኣና ዘይስገር ሃገራዊ
ጉዲይ ኣመልኪትና ሓበሬታ ክንህብ ንፈቱ ::
መብዛሕትና ንከታተሎ ከም ዘሎና : መቐጸልታ ናይ ዝሓሇፉ ዘይምኽኑይ ተጻብኦታት መንግስቲ ንግስነት ነዘርሊንድስ
(ሆሊንድ) ኣብ ልዕሉ ዜጋታትና : ንወሇንታዊ ወፈያ መኸተ ኣንጻር CORONA COVID-19 ኣመልኪቱ ዓማጺን
ዘይፍትሓውን ስጉምቲ ብምውሳድ : ንሓሊፊ ቤ/ጽ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዘሃግ ንግስነት ነዘርሊንድስ (ሆሊንድ) ካብ
ስራሑ ጠጠው ኣቢለዎ ይርከብ ::
እዚ ኣናሻዕ ኣርእስቲ እናቐያየረ ኣብ ልዕሉ ኤርትራን ሓሊል ህዝባን : ብመንግስቲ ንግስነት ነዘርሊንድስ ዝዋዯድ ሽርሒ
ኣብ ዝሓሇፈ እዋን እውን ንቊንስል ሃገረ ኤርትራ: ብዘይ ምኽኑይ ኣገባብ ካብ’ቲ ሃገር ከም ዝሰጎጎን : ከምኡ’ውን ኣብ
ዓመተ 2017 ዝነበረ ናይ መንእሰያት ህግዯፍ ዓመታዊ ኮንፈረንስ : ንመንእሰያትናን ህጻናትናን (ሕድሪ ) ብኢሰብኣውነት
ኣገባብ ብሇይቲ ካብ ኣዕሪፎምለ ዝነብሩ ሆቴል ከም ዝሰጎጉ ካብ ኣእምሮና ዘይሕከኽ ፍጻመ እዩ ::
ተጻብኦ ግን ስሇምንታይ ! ካበይ ተበጊሱ ናበይ ንምብጻሕ’ዩ ! ካብ CORONA COVID-19 ዘምጽኦ ዓሇማዊ ጸገም :
ንህዝብና ንምሕጋዝ ዝተኻየዯ ወሇንታውን ውሁድ ሰናይ ተግባር ዝመረሮም: ዕርቃኑ ዝወጸ ሰይጣናዊ ስጉምቲ እዩ::
ብትኲረትን ንቕሓትን ክንርእዮን ክንዮ እቲ ተጻብኦ ክንወቕዖ እንዯሉ ሃገራዊ ዕሊማ ኣርሒቕና ክንጥምት ይግበኣና ::
ኤርትራ ንምዕባሇ ኣብትሳግመለ : ኣደር-ባደር ሇቓቒቦም ገስጋስና ንምዕንቅፍን: ፖሎቲካዊ ሓርነትና መንጢሎም
ናታቶም ተጸበይቲ ክንከውን ዘዋድድዎ ሽርሒ ምዃኑ ኣብ ታሪኽና ምዝጉብ ስሇዝኾነ ::
እዚ ሕለፍ ተጻብኦ ናይ ንግስነት ነዘርሊንድስ (ሆሊንድ) ነቲ ስኒትን ምትሕግጋዝን : ብሃገራዊ ፍቕሪ ተነዱቑ ዝሰወዯ
ቅደስ ባህሉ ህዝቢናን ብቀንደ ንልዑሊውነትና ታርጌት ዝገበረ ስሇዝኾነ : ኩለ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ዘይቅደስ ተግባር
ዓገብ ክብሎ ይግባእ ::
ነዚ ንምትግባር ንተዲልዩ ዘሎ ፐቲሽን (on-line petition) ተጠቒምና : ክሳብ ዕሇት 20.11.2020 ተቓውሞና
ንከነስምዕ ሃገራዊ ጻውዒት ነቕርብ ::
ሃገራዊ ሽማግሇ ከተማታት ነዚ ፐቲሽን ንምዕዋቱ ከም ወትሩ ጏስጓሳት ምክያድ ሃገራዊ ኣገዲስነቱ ከምትርድእዎ
ከይዘንጋዕና : ነቶም ናይ ቴክኒክ ጸገም ክህልዎም ዝኽእል ዜጋታትና ዘድሉ ምትሕብባር ክትገብሩሎም በዚ ኣጋጣሚ
ነዘኻኽር ::
ንምክት ! ዕሊማና ኣጸቢቕና ስሇእንፈልጥ !
ዘልኣሇማዊ ሞጎስን ክብሪን ንጀጋኑ ሰምኣታትና !
ዓወት ንሓፋሽ !