ኣገዳሲ ሓበሬታ ንገያሾ መንገዲ ኣየር ቱርኪ – Important Notice For Turkish Airlines Passengers To Asmara

መንገዲ ኣየር ቱርኪ ከም ወትሩ ንገያሹኡ ስሉጥን ጹፉፍን ኣገልግሎት ንምሃብ ካብ ፫-3 ሓምለ ፳፻፲፯-2017 ሓድሽ ናይ መስመር በረራ ከምዝጀመረ የብስር። መንገዲ ኣየር ቱርኪ ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ማለት ፫-3 ሓምለ ፳፻፲፯-2017 ጀሚሩ ካብ ኢስታንቡል ናብ ኣስመራ ካብ ኣስመራ ናብ ኢስታንቡል ስሩዕ ቀጥታዊ በረራ ከምዝጀመረ ንዓማዊሉ ይሕብር።

ብመሰረት ሓድሽ ናይ በረራ ሰሌዳ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ወትሩ ረቡዕ ዓርብን ሰንበትን ሰዓት ሓደን ፈረቃን ለይቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክትብገስ’ያ።

ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝርከቡሉ ድማ ወትሩ ሰሉስ ሓሙስን ቀዳምን ሰዓት 9፡00 ምሸት ሙዃኑ ንሕብር። መንገዲ ኣየር ቱርኪ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ትበጽሓሉ ሰዓት ድማ ፍርቂ ለይትን ፈረቃን ሙዃኑ ንገልጽ።

ኩሉኹም ካብ ኣህጉር ኤውሮጳ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ትጥቀሙ ዓማዊል ኣብ ህንጻ ሳባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ቱርኪ ክትመጹ ድማ በኣኽብሮት ንሕብር።

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ብቁጽሪ ቴሌፎን 184949 ወይ 184952 ተወከሱ። ወይ ድማ ንወኪል ጉዕዞኹም ክትውከሱ ትኽእሉ።

Source: http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_22062017.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close