ኤርትራ፡ ኣብ ግብጺ ብመዳልያታት ኣጊጻ

ዘሕጉስ ዜና፣ ሜሮን ተሾመ ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2017 ኮይኑ። ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሜሮን ተሾመ ትማሊ ሓሙስ 16 ለካቲት 2017 ንዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ‘ክሮኖ ሜትር’ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱሉ። ሜሮን ነቲ 43 ኪሎሜትር ዝርቀቱ ኣዝዩ ከቢድ ንፋስ ዝነበሮ ውድድር፡ 48.436 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት እናተሓምበበ፡ ብ53 ደቒቕን 16 ካልኢትን እዩ ተዓዊቱሉ። በዚ ኸኣ ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2017 ኮይኑ። ካብ ሜሮን ተሾመ 26 ካልኢት ድሒሩ ሕንጻጽ ዝረገጸ ክኢላ ውድድር ክሮኖ ሜተር ምዃኑ ዝንገረሉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ ስተፋን ዲ ቦድ እዩ።

ሜሮን፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራ ብዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ተጓናጺፋቶ ዝነበረት ናይ ግዜ ናይ ሻምፕዮን ክብሪ ብምድጋሙ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እናተወራረሰ ዝቕጽል ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ውድድር ካልእ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዓወት ሃብቶም ሳልሳይ ኮይኑ ተዓዊቱ። በዚ ኸኣ ነሓስ መዳልያ ተሸሊሙ።

ወዲ 19 ዓመት ዓወት ሃብቶም ካብ ሜሮን 49 ሰከንድ ጥራይ ድሒሩ’ዩ ውድድሩ ፈጺሙ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ቅድድም ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜኡ ዝሳተፍ ዘሎ ውልዶ ተቐዳዳማይ ዓወት ሃብቶም፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ዝተሓዝ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዙ ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2017 ግብጺ፡ ትማሊ ሓሙስ ናይ ውልቂ ክሮኖ ሜተር ደቂ ኣንስትዮ ኣሰላሲሉ።

እተን ተቐዳደምቲ 25.8 ኪሎ ሜተር ንምሽፋን እየን ኣብ መስርዕ ውድድር ተረኺበን። ኣብ’ቲ ኣዝዩ ሓያል ንፋስ ዝነበሮ ከቢድ ውድድር፡ ተቐዳዳሚት ሃገራዊት ጋንታ ሞሪሸስ ሃልብዋቺስ ኣውሪለ፡ ብ42 ደቒቕን 40 ካልኢትን ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ብምፍጻማ ወርቂ መዳልያ ተሸሊማ። ተቐዳዳሚት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሞሳና ደበሳይ 20 ካልኢት ድሒራ ካልኣይቲ ወጺኣ።

ሞሳና በዚ ዘመዝገበቶ ዓወት ተሽላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና። ካልእ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ወሓዚት ኪዳነ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ቪንተር ጆኒታን ግብጻዊት ኢፕትሳም ዛይድን ተኸቲላ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ፈጺማ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ዛጊት ኣብ ሉክሰር – ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017፡ ኣብ 5 ውድድራት ተኻፊላ፡ 3 ወርቂ፡ 2 ብሩርን 1 ነሓስ ሜዳልያታት ኣብ ከብሓ ኣእትያ ኣላ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡ ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳመይቲ ብምውጻእ ወርቂ ዝተሸለመት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ወሳኒ ናይ ጽርግያ ውድድር ክትጽመድ እያ። 

Source: http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17022017.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close