ኤርትራ – ምልኣት ልቢን ዘይሃስስ ተዘክሮታትን ዝሓቘፈት ሃገር’ያ!

ትርጕም፦ ዮሴፍ ሃይለማርያም፣

ኣብ ኤውሮጳን ኤስያን እትርከብ ቱርኪ፡ ሓንቲ ካብተን ብቚጠባን ቱሪዝማዊ ስሕበትን ገስጋሲ ዕብየት ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት’ያ። ብፍላይ ኣብ መዳይ ሲቪል ኣቬሽን፡ መገዲ ኣየር እታ ሃገር፡ ንሽዱሽተ ተኸታታሊ ዓመታት፡ ኣብ ኤውሮጳ ብቐዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ፡ ብሉጽ ሽልማት ክዓትር ዝበቕዐን ኣብ ቊጠባዊ እቶት ቱርኪ ድማ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎን’ዩ። ሃገረ ቱርኪ፡ ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ታሪኻዊን ሽርክነታዊን ምሕዝነት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ምትግባር ትርከብ – ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ሲቪል ኣቬሽን። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ መገዲ ኣየር ቱርኪ፡ ካብን ናብን ኣስመራን ኢስታንቡልን ቀጥታዊ በረራ ካብ ዝጅምር እንሆ ክልተ ዓመት ረጊጹ። ቀጺልና፡ ብዛዕባ’ዚን ካልእን፡ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ምስ ዝተመልሰ ቀዳማይ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ፊራት ሱነል (Ambassador Firat Sunel)፡ ናይ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ትርጒም ጸሚቚና ነቕርበልኩም – ሰናይ ንባብ፦

ዝኸበርካ ኣምባሳደር፡ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ሃገረ ቱርኪ ኣብ ኤርትራ ኢኻ። ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምምጻእካ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበረካ መረዳእታ እንታይ ይመስል ነይሩ? ኤምባሲ ክትምስርት ቀሊል ስራሕ ዘይምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ እርደኣኒ ነይሩ’ዩ። ናብ ኤርትራ ክመጽእ ብዘይ መጠን ህንጡይነት ስለዝነበረኒ ግን፡ ነቲ ስራሕ ተሓጕሰ ተቐቢለዮ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ቱርኪን ዘሎ ናይ ልዕሊ 300 ዓመታት ሓባራዊ ታሪኽን ባህላዊ ምትእስሳርን’ውን፡ ናብ ኤርትራ ንኽመጽእ ካብ’ቲ ዝመሰጠኒ’ዩ።

ብብዙሓት ቱርካዊያን፡ ብ“ሓበሻ’’ ዝፍለጥ ኣሳእል ኤርትራዊያን፡ ኣብ ሃገረይ ብኣዝዩ እወታዊ ዓይኒ’ዩ ዝጥመት። ስለዚ፡ ኤርትራ ምድሪ ሕያዋይ፡ ፈቃርን ደንጋጽን ህዝቢ ባህሊና ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኤርትራዊያን ከላልዮምን ከለኹ ሓበን’ዩ ዝስምዓኒ። ብወገነይ፡ ንኤርትራ ንምሕያልን ንምትብባዕን፡ ከም ዲፕሎማሰኛ ጥራይ ዘይኰንኩ፡ ከም ጸሓፋይን ስኣላይን ክዋሳእ ጸኒሐ‘የ።

ኣብ ዝመጽእ ሞያይ እውን፡ ሓቀኛ ዓርኪ ህዝቢ ኤርትራ ምዃነይ ክቕጽሎ እየ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንኤምባሲና ንኽምስርት ክመጽእ ከለኹ፡ ምስ ሓንቲ ቋንቋን ላፕቶፕ ኮምፒዩተርን እየ መጺአ። ሕጂ’ውን ነዛ ተፈታዊትን ጽብቕቲን ሃገር ብተመሳሳሊ መገዲ’ኳ እገድፋ እንተሃለኹ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ዘይርሳዕ ናይ ሓሳብ ዝኽሪ ዝመልአ ሰናጡ ሒዘ እኸይድ ኣለኹ። ልበይ፡ ምዉቕን ዘይርሳዕን ዝኽሪታት ኤርትራ መሊኡ ኣሎ።

ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ ቱርክን ኤርትራን ከመይ ኣሎ? ቱርኪ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ 1993 ንኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ቀልጢፈን ኣፍልጦ ዝሃበኣ ሃገራት’ያ። ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘለና ሽርክነታዊ ዝምድና ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ሽዑ’ዩ ጀሚሩ። ሕጂ ድማ፡ ህዝቢታት ኤርትራን ቱርኪን ኣጸቢቖም ንሓድሕዶም ንኽፋለጡ፡ ኢድ ንኢድ ብምዃን ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና። ናይ ኣስታት 300 ዓመታት ሓባራዊ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን ዘለና። ናይ ክልተና ባህሊታት እውን ንሓድሕዱ ብሕብረት ዝተጸላለወ’ዩ። ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ቱርኪን ከምኡ ድማ ልምዲታቶም ዘደንቑ ምምስሳላት እዮም ዘለዉ። እዚ፡ ኣብ መንጎ ዝምድናታት ቱርኪን ኤርትራን እቲ ብዝያዳን ብዝበለጸን ከነዕምቖ ዘለና ቅሙጥ ጸጋ’ዩ።

ምኽፋት ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ኤርትራ’ውን፡ ነቲ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ሌላአን፡ ድሕሪ 150 ዓመታት ሓቢረን ንኸነጣጥፋኦ ሓጊዙወን’ዩ። ንምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ቱርኪን ኤርትራን፡ ናይ መጀመርያ ፖለቲካዊ ርክብ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብኣዝዩ ውዕዉዕ መንፈስ ተቓኒዑ፣ ኤርትራዊያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ‘ኣህጉራዊ ፕሮግራም ስልጠና ጁኒየር ዲፕሎማሰኛታት’ ተሳቲፎም፣ ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ብሉጻት ኤርትራዊያን ተመሃሮ፡ ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም ማህደረ-ትምህርቲ ንቱርኪ ተላኢኾም፣ ንኽብሪ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ፡ ኤምባሲና ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ባህሊን ስፖርትን ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ዝሓለፈ ሓምለ “ባህላዊ ቅንያት ቱርኪ” (Turkish Cultural Weeks) ወዲቡ፣ ቱርካዊት ጉጅለ ባህሊ ፖፕ-ጃዝ ኣብ ሲነማ ኣስመራ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣካዪዳ፣ ኣብ ሲነማ ሮማ፡ ናይ ቱርኪ ፊልምታት ኣርኢና፣ ኣብ ሆቴል እምባሶይራ፡ ቅንያት ባህላዊ ኣከሻሽና መግቢ ቱርኪ (Turkish Cuisine days) ኣቃኒዕና፣ ምስ ቤት ትምህርቲ ስነ-ጥበብ ብምትሕብባር፡ ውድድር ቅብኣ ናይ ቈልዑ ኣካይድና። ብኻልእ መዳይ፡ ምስ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራ ብዘለና ምትሕግጋዝ ብዘይ መጠን ዕጉብ እየ። ቱርካዊያን ነጋዶ፡ ኣብ ኤርትራ ዘርእይዎ ዘለዉ ተገዳስነት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ዘለና ክልተኣዊ ንግዳዊ ዕብየት፡ ካብቲ ኤምባሲ ዝኸፈትናሉ ጀሚሩ ዳርጋ ብ15 ዕጽፊ ወሲኹ ይርከብ። ብዝለዓለ መልክዑ ዝትግበር ዘሎ ካልእ ትካላዊ ምትሕግጋዛት’ውን ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራን ኮንፈደረሽን ማሕበር ንግድ ሃኪስ ቱርኪ (Turkish HAK-İŞ Trade Union Confederation)፡ ጽቡቕ ዝዀነ ርክባት ይካየድ ኣሎ። ኣብ መዳይ ሲቪል ኣቬሽን’ውን ካልእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቱርኪን ብጽቡቕ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ቦታ’ዩ። ካብ ነሓሰ 2014 ጀሚሩ፡ መገዲ ኣየር ቱርኪ፡ ካብ ከተማ ኢስታምቡል ናብ ከተማ ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ምጅማራ፡ ብጣዕሚ ሕጕስ’የ። በዚ ከኣ፡ መገዲ ኣየር ቱርኪ፡ ንኤርትራ ምስ ዓለም ኣራኺቡዋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት መገዲ ኣየራት’ውን ናብ ኤርትራ ንኽመጻ ኣተባቢዑ’ዩ። ቁጽሪ በረራ’ውን ብዝቐልጠፈ ንኽንውስኽ ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ዘለና’ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኤርትራ ተዓዊታትሉ እትብሎ. .? ብመንጽር ሸቶታት ምዕባለ ሚልየኒዩም ክረአ እንከሎ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዕዉታት ሃገራት እያ።

እዚ ማለት፡ ኣብ ምንካይ ሞት ህጻናት፡ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ኣደ፡ ኣብ ምቅላስ ኣንጻር ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፡ ዓሶን ካልኦት ሕማማትን ብዘይ መጠን ዝድነቕ ዓወታት’ያ ኣመዝጊባ። ብተወሳኺ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተጠርየ ዘሐብን ውርሻ፡ ኤርትራ ብመንጽር ምዕሩይነት ጀንደር ክርአ እንከሎ፡ ኣብነታዊት ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ’ያ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊያን ስፖርተኛታት ዘመዝግብዎ ዘለዉ ዓወታት ክጥቀስ ዘለዎ’ዩ። ብወገነይ፡ ሓደ ካብ ዓወታት ናይዞም ኤርትራዊያን ስፖርተኛታት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ቱርኪ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ሕጕስ እየ።

ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብ መበል ‘11 ቮዶፎን ፍርቂ ማራቶን ኢስታምቡል ተሳቲፉ ካልኣይ ብምውጽኡ ኣኹሪዑኒ። ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ዓመታት፡ ንኤርትራ ኣበይ ክትርእያ ትንበ? ብመንጽር’ቲ ዘለዋ ስፍሓት መሬት ክርአ ከሎ፡ ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር እኳ እንተዀነት፡ ብመንጽር ታሪኻዊን ካልእ ድሕረ ባይታኣን፡ ዘለዉዋ ብዙሓት ዕድላትን ዕቑር ዓቕሚን ክርአ ከሎ ግን፡ ኤርትራ ዓባይን ኣገዳሲትን ሃገር’ያ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመታት፡ ኤርትራ ነቲ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድናኣ ምስ እትቕጽሎ ብፍላይ ኣብ መዳይ ቱሪዝም ንዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ምስ እትምዝምዞ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ምዀነ እብል። ብርግጽ ከኣ፡ ኤርትራ ተረባሒት ናይቲ ኣብ ቱሪዝም ዘለዋ ዓቢዪ ዕቑር ዓቕሚ ክትከውን’ያ። ዝኸበርካ ኣምባሳደር፡ ዲፕሎማሰኛ ጥራይ ኣይኰንካን፣ ደራሲ’ውን ኢኻ።

ሓንቲ ካብ መጻሕፍትኻ ዝሓለፈ ዓመት ብመልክዕ ፊልም ተሰሪሓ’ያ። ኣብ ኤርትራ ብዝቐልጠፈ ክትርአ ተስፋ ንገበር። ስዒባ እትመጽእ መጽሓፍካ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ምዃና’ውን ሰሚዕና ኣለና’ሞ፡ ብዛዕባ’ዛ መጽሓፍ እዚኣ ገለ ሓበሬታዶ መካፈልካና?  ብርግጽ! ኣርእስቲ ናይ’ታ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ቱርኪ እትሕተም ሓዳስ ልቢ- ወለዳዊት መጽሓፈይ፡ “እታ ቀለቤት – The Ring” እትብል’ያ።

ከም’ቲ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ዝሕብሮ፡ ኣነ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብዘይ መጠን’የ ዝምሰጥን ዝማረኽን። እዛ መጽሓፈይ ድማ፡ ገለ ክፋላ ብዛዕባኡ’ያ እተዘንቱ። ነዛ ልቢ- ወለዳዊት መጽሓፍ ንምድላው፡ ምስ ዓሰርተታት ተጋደልቲ ቃለ መጠይቕ ገይረን ተዘክሮታቶም ብዝግባእ ኣስፊረዮን ኣለኹ። እንተዀነ፡ ኣብ’ዛ መጽሓፈይ፡ ጠባያት ናይ ሎሚ ኤርትራዊያን እውን ከምዝጠቓለል ገይረዮ ኣለኹ።

ነቲ ኣድናቖት ወይ ኣግርሞት መታን ከይብርዞ ግን፡ ብዛዕባ’ዛ ገና ዘይተሓትመት ልቢ-ወለዳዊት መጽሓፍ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህብ ኣይደልን’የ። ናብ እንግሊዝን ትግርኛን ተተርጕማ፡ ድሌትን ሃንቀውታን ኤርትራዊያን ኣንበብቲ ከተዕግብ ከኣ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close