ኤርትራ – ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ኣልበሰር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ሂቡ

ዘሕጉስ ዜና፣ ብመሰረት ኣብ መንጎ ሚኒስትሪታት ጥዕና ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ዝምድናን መደባት ምልውዋጥ ተመኲሮን፡ ሱዳናዊ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ሓካይም ዓይኒ ‘ኣልበሰር’ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ሂቡ። እቲ ምስ ኣባላት ሕክምና ዓይኒ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ብምውህሃድ፡ ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ዝተዋህበ ኣገልግሎት፡ ኣካል ናይቲ ዑረት ንምክልኻል ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ምዃኑ፡ ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ምክትታልን ምቊጽጻርን ዑረት ኣቶ ኣለም ዘካርያስ ገሊጹ።

እቲ ወፍሪ፡ ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ሞያውያን ተመኲሮታት ዝተለዋወጡሉ ኣገዳሲ መደብ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ- ባርካ ሓላፊ ምክትታልን ምቊጽጻርን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣቶ ሃብቱ ጸጋይ፡ እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምግታእ ሕማማት ዓይኒ ብሓፈሻ ዑረት ድማ ብፍላይ ዘለዎ እወታዊ ኣበርክቶ፡ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ንዘጋጥም ብዝሒ ተገልገልቲ ከም ዘቃልል ኣብሪሁ። ጠርናፊ ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበሰር’ ዶክተር ኡሳማ ሰዲግ ብግደኡ፡ እቲ ዓመታዊ ወፍሪ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ዝምድና ከምዝኾነ ብምምልካት፡ ኣብ’ቲ ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ዑረት ተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ሓጋዚ ድርኺት ክህልዎ እምነቱ ገሊጹ። 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close