እንቋዕ ናብ ፩ ግንቦት ልደታ ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጽሓና

Spread the love

በስመኣብ ወወልድ ወምንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ቅዱስ እግዚኣብሔር እንቋዕ ብሰላም ናብዚ ክቡር ዕለት ባሕቲ ግንቦት( ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወለደትሉ) ዕለት ብሰላምን ብጥዕናን ኣብጽሓና ኣናበልና ብምኽንያት እዚ ክቡር ዕለት እዚ ኣብ ፳፻፲፮(2016) ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ብኣቦና ቀሺ ኤፍሬም ልኡል ነቲ ቅዱስ ዕለት ዝገልጽ ዝተዋህበ ስብከት ናባኹም ነብሎ ኣለና። ሰናይ ምክትታል።

ሓደ (ባሕቲ) ግንቦት
ልደታ ለቅድስት ድንግል ማርያም

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት’ውን ኣደ ኣምላኽ እንዳ ተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኢዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዒ ክወጽእ ኢዩ ዝብል ትንቢት ተነብዩ ነይሩ (ኢሳ 11፡1)። ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዒ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ። ቅዱሳን ነቢያት እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምስጢር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት ዝተነበዩ ነቢያት ብዙሓት’ዮም። ንኣብነት ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓርይዋ (መሪጽዋ) እዩ’ሞ መሕደሪኡ’ውን ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ ኢያ ብሂገያ ኣለኹ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር ኢየ” ይብል (መዝ 132፡13-14)። ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ከም ብሓድሽ ነቢይ ኢሳይያስ ከም እትውለድን ምስተወልደት ከኣ ብንጽህናን ብድንግልናን ንኣምላኽ ከም እትወልድ ክገልጽ “እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ፡ እነሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ” ኢሉ’ዩ (ኢሳ 7፡14)። እዚ ትንቢት እዚ ቅድስት ድንግል ማርያም እትወልደሉ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ካብኣ ከም ዝውለድ ዝገልጽ’ዩ። ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትብሎ’ያ ኣማኑኤል ማለት ድማ እግዚኣብሔር ምሳና ማለት ምዃኑ ንባቡን ትርጓሜኡን ጽሒፍዎ ኣሎ። እዛ ንኣምላኽ ዝወለደት ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ትውልዳ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፥

ንዝያዳ ንባብ ኣብዚ ዝስዕብ link (ብሰማያዊ ተጻሒፉ ዘሎ) ጠውቑ!!!

በረከትን ጸጋን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

Source: http://mahberemariamisrael.com/

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close