ኦ ፈጣሪ ካብ ትራምፕ ኣድሕነና – ኣብ ዝሃለወ ሃልዩስ ዕግርግርን ሽግርን

Spread the love

ከተማታት ተልኣቪብን እየሩሳሌምን ዝፈጠራኦ ክትዕ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ካብ ዝህብን፡ ኣብ ተልኣቪብ ዝነበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ናብ እየሩሳሌም ከም ዝሰጋገር ካብ ዝሕብርን ንደሓር፡ ካብ ሓደ-ሓደ ሃገራት ዓለም ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጠንቀቕታ ክፍኖ ቀንዩ።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ እትርከብ ከተማ እየሩሳሌም፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት – ከም ‘ናጻ  ዓለምለኻዊት ከተማ ኮይና ክትጸንሕ’ሞ፡ ንዋንነታ ብዝምልከት ኣብ መጻኢ ክዝረበሉ’ ዝብል ኣብቲ ናይ ሕዳር 1947 ዝተዋህበ ንድፊ ዶባት ኣይሁዳውያንን ኣዕራብን ከም እተቐመጠ እዩ ዝፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ’ውሳነ ፻፹፩-181’ ንዝፍለጥ ብብሪጣንያ ክመሓደር ንዝጸንሐ ‘ፓላስታይን’ ኣብ ክልተ ሃገራት – ማለት ኣብ ሃገረ ኣይሁድን ዓረባዊ ሃገርን ክምቀል ድምጺ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ፡ ብናይ 10 ሃገራት ድምጸ-ተዓቅቦ፡ ፲፫-13 ሃገራት ተቓውሞ፡ ፴፫-33 ሃገራት ድማ ደገፍ ከምዝጸደቐ ይፍለጥ።

ነዚ ውሳነ እዚ ፍልስጤማውያንን ሃገራት ዓረብን ክነጽግዎ እንከለዉ፡ ኣብ ፓላስታይን ዝነበሩ ኣይሁድ ግን ተቐቢሎምዎስ ናጽነት እውን ክእውጁ በቒዖም።

ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንመብዛሕትኡ ኤውሮጳ ክቈጻጸር ክኢሉ ዝነበረ ስርዓት ናዚ – ጀርመን፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳዊ ሃይማኖት ዝነበሮም ኤውሮጳውያን ብዘውረዶ ከቢድ ህልቂት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ከም ዝጸነቱ ብታሪኽ ይዝከር። ውግእ ድሕሪ ምህዳኡ፡ ‘ናብ ምድሪ እስራኤል’ ናይ ምምላስ ድርኺት ኣብ ኣይሁዳውያን እናዓዘዘ ስለዝመጸ፡ ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ምድሪ ፓላስታይን ክኣትዉ ክኢሎም።

ካብ’ቲ ብስርዓት ናዚ ዝወረደ ህልቂት ዝሰረሩ ኣይሁዳውያን ናብ ‘ምድሪ እስራኤል’ ስለ ዝወሓዙ ድማ፡ ነቲ ኣብ
ምምሕዳር ፓላስታይን ዝጸንሐ መጠን ብዝሒ ኣይሁዳውያን ብተዓጻጻፊ ክብ ኣቢልዎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣዕራብን
ኣይሁዳውያንን ቅርሕንትታት እናተጋህደ ስለዝመጸ ግዳ ዕጥቃዊ ግጭታት ይረአ ነበረ።
ብሰንኪ’ቲ ዕጥቃዊ ግጭታት ከኣ ብዝሒ ዘለዎም ኣዕራብ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም። ኣብ’ቲ ብብሪጣንያ
ዝመሓደር መሬት ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ማሕበረ-ሰባት ዝነበረ ጐንጺ ድማ ሓደ ፍታሕ ክግበረሉ ግድን ነበረ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፓላስታይን ኣብ ክልተ መቒሉ – ከተማ እየሩሳሌም ድማ ሻራ ዘይብላ ዓለም-ለኻዊት ከተማ
ኰይና ክትቅጽል ውሳነ ኣሕሊፉ።
ናይ ‘ኣይሁዳውያን ሃገርን’ ናይ ‘ኣዕራብ ሃገርን’ ተባሂሉ ኣብ ክልተ ማሕበረሰባት ምስ ተመቕለ፡ ኣይሁዳውያን ነቲ ብጽሒቶም ተልኣቪብ ርእሰ-ከተማ ብምግባር ሃገረ እስራኤል መስሪቶምሉ።
ፍልስጤማውያን ግን፡ ኣብቲ ዝተዋህቦም ቦታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ክምስርቱ እናኸኣሉ፡ ሃገር ሒዝካን ደልዲልካን ከም ወግዓዊ ሃገር መጠን ስለ መሰላቶም ንምክልኻል ዝነበሮም ዕድል ኣይተጠቕምሉን።
ኣብ ሕምብርቲ ማእከላይ ምብራቕ ምምስራት ኣይሁዳዊት ሃገር ዘቘጠዖም ሃገራት ዓረብ እምበኣር፡ ንእስራኤል ደምሲስካ ኩሉ እቲ ምድሪ ናይ ፓላስታይን ኣብ ናይ ምግባር ኣድህቦ ከም ዝጥምቱ ገይርዎም።
ካብ’ቲ እስራኤል ናጽነት ዝኣወጀትሉ ግዜ ጀሚሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ሓዳስ ሃገር ውግእ ከፊቶም።
እቲ ዝበርትዐ ኣንጻር እስራኤል ዝተኻየደ ውግእ ኣዕራብ ግና – እቲ ኣብ 1967 ዝተኻየደ ‘ውግእ ሽዱሽተ መዓልቲ’ እናተባህለ ዝጽዋዕ፡ ግብጺን ሶርያን ዮርዳኖስን ዝተሳተፋኦ ነበረ።
እስራኤል፡ ሓይሊ ኣየር ግብጺ ከይተንሰአ እንከሎ ብምድምሳሳን ብኣጋር እውን ክትክላኸል ብምኽኣላን፡ ንበረኻታት
ሲናይ ካብ ግብጺ፡ ንከበሳ ጎላን ከኣ ካብ ሶርያ መንዚዓ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእትያቶ። ናብ’ቲ ንፍልስጤማውያን
ተዋሂቡ ዝነበረ ንሸነኽ ምዕራብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝርከብ ግዝኣታት ብምስጋር እውን፡ ንከተማ እየሩሳሌም ኣብ ትሕቲኣ
ኣእትያቶ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብቲ ዑናታት ጥንታዊ ቤተ-መቕደስ ንጉስ ሰለሞን ብምብጻሕ ተሳለሙ። ካብኡ ንነጀው ካብ የሩሳሌም ናይ ምውጻእ ኣመት ገይሮም ኣይፈልጡን።
እቲ ካብ ግብጺ መንዚዖምዎ ዝነበሩ በረኻ ሲናይ፡ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክገብራ ብሽማግለታት ንዝቐረበለን እማመ ተቐቢለን ናብ ዋናኡ ተመሊሱ እዩ።
ከበሳ ጎላንን ከተማ እየሩሳሌምን ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ይርከብ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕራብ
ዝበዝሕዎ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ጥንታዊ ክፋል እታ ከተማ፡ ሓደስቲ ገዛውቲ ኣይሁዳውያን እናተወሰኾ
‘ምዕራብ እየሩሳሌም’ ዝበሃል ገፊሕ ከተማ ተደኲኑዎ ይርከብ።
ኣብ’ቲ ናይ 1967 ውግእ፡ እስራኤል ንግዝኣት ቃዛ እውን ተቘጻጺራ ስለዝነበረት፡ ካርታ እቲ ከባቢ ተቐያይሩ ነበረ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣኼባ ብምዕዳም ካልእ ውሳነ ፪፻፵፪-242 ኣሕሊፉ። ብሓጺር ቃል፡ ነቲ እስራኤል ዝመንዘዓቶ ከባቢታት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ዘነጽር እዩ ዝነበረ።
ብኻልእ ወገን፡ ልኡላዊ ህልውና ኣብቲ ውግእ ናይ ዝተሳተፋ ሃገራት ክኸብር ከምዘለዎ ዝገልጽን፡ እስራኤል ናይ ሰላም
ውሕስነት እትረኽበሉ ስምምዓት ክግበር ዝድግፍን ብምዃኑ፡ እስራኤል መኽሰባት እትረኽበሉ ነጥብታት ነይርዎ። ወራር ዘካየዱ ኣዕራብ ብምዃኖምን እስራኤል እውን ህልውናኣ ናይ ምክልኻል መሰል ስለዝነበራን ካብቲ ደፊኣ ዝሓዘቶ መሬት ኣገዲዱ ዘውጸኣ ውሳነ ወይ እገዳታት ኣይነበረን።
ቃዛን ሓያለ መሬት ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ከተማ እየሩሳሌምን፡ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ስለ ዝኣተወ፡ ፍልስጤማውያን ኣብቲ ዝተሸራረፈ ምድሪ መንግስቲ ክምስርትሉ ዘኽእል ዕድላት እናጸበበ እዩ መጺኡ።
ብዘይካ’ቲ ግብጺ ኣብ 1973 ዝፈተነቶ ውግእ ኣንጻር እስራኤል ድሕሪኡ ኣይተኻየደን። እስራኤል፡ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝሓዘቶ መሬትን ከተማ እየሩሳሌምን ገዲፋ እትወጽኣሉ ደራኺ ምኽንያት እውን ኣይተራእየን።
ተኸታተልቲ መንግስታት እስራኤል፡ ኣብ ከባቢ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ንፍልስጤማውያን ዝተሓዝአ ቦታ ኣባይቲ ብምስራሕ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣይሁድ ከምዝሰፍር ገይሮም።
ክሳብ ሕጂ እውን ይሃንጹ ኣለዉ። ሎሚ ማእከላይ ምብራቕ ብውግእ ኣብ ዝሕመሰሉ ዘሎ ግዜ፡ ርክባት ሓያላት
ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለየ ረብሓታት ምስ በበይኑ ሓይልታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተጠናነገሉ ግዜ፡ መንግስታት
ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘቤታዊ ናይ ሓድሕድ ቅርሕንቲ ተጸሚዶም ኣብ ዘለዉሉ – ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ
ትራምፕ ‘ንእየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ክህብ ተዳልየ ኣለኹ’ ምባሉ እምበኣር፡ እንታይ ሳዕቤን ወይ
ጽልዋ ከምጽእ ይኽእል? ንዝብል ሕቶ ሰፊሕ ትንታነታት ክወሃበሉ ይከኣል።
ከተማ እየሩሳሌም ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም ብኽብሪ ዝጥምታኣ ኣገዳሲት ነቝጣ ምዃና ይፍለጥ። ናይ
ይሁዳ፡ ክርስትናን እስልምናን መካነ-ኣምልኾ ስለዝርከባ ንሓያሎ ዘመናት ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ነጋድያን ክበጽሕዋ
ምጽነሖም ይፍለጥ።
ኣብ ፯፻፵-740 ቅ.ል.ክ ካብ ሰሜን እየሩሳሌም ናይ በይኑ መንግስቲ መስሪቱ ዝነበረ ክፋል እስራኤል፡ ኣሶራውያን ብምርኮ ኣግዒዞም ወሲዶምዎ። ኣብ ከባቢ ፭፻፹፮-586 ቅ.ል.ክ ከኣ፡ ናቡከደናጾር ንጉስ ባቢሎን ንመንግስቲ
ይሁዳን ዝተረፈ ህዝቢ እስራኤልን ብምርኮ ጸራሪጉ ኣግዒዙ ወሲድዎም።
ንቤተ-መቕደስ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣፍሪሱ ኣዕንይዎ። እቲ ዝዓበየ ናይ ኣይሁዳውያን ዝርወት (ዲያስፖራ) ግና ኣንጻር ገዛእቲ ሮማውያን ዕልዋ ኣብ ዘካየዱሉ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ምዃኑ እዩ።
እቲ ከባቢ፡ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መስቀላውያን፡ ኣብ ትሕቲ ከሊፋዊ መንግስቲ ሳላሓዲን ወይ ኣብ መግዛእቲ
ቱርካውያን ኣብ ዝወደቐሉ ግዜ፡ ማእከል ሃይማኖታት ዓለም ብምዃኑ – ኣብ ዝዀነ ግዜ ምእመናን ነጋድያን ኣቋሪጾም
ኣይፈልጡን።
ከምዚ ኢሉ ኣብ ዝጸንሐ ምድሪ ኣብ ፲፱፻፵፰-1948 ሓዳስ እስራኤል ክትፍጠር እንከላ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፈጠሮ ስንባደ ክሳዕ ሕጂ ኣይዘሓለን።
ትራምፕ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንእየሩሳሌም ኣፍልጦ ክህባ ምህቃኑ እንታይ ክሳራታት ክወርዶ ይኽእል? ኢልካ እውን ክሕተት ይከኣል’ዩ።
ሃገራት ኣዕራብ ምስ ኣመሪካ ዘለዎም ርክባት እንታይ ገጽ ክሕዝ ይኽእል? ኩሎምከ ሓደ ዓይነት መርገጺ ኣለዎም ድዩ?
ብሰንኪ እቲ ናይ ኣመሪካ ውሳነ ኰርዮም ምስ ኣመሪካ ዝነበሮም ርክብ ዘዛሕትሉዶ ርከቡ? ኣብ ኣርበዓታትን ሰብዓታትን ካብ ዝነበረ ቁጠዐ መንግስታት ዓረብ ዝገደደ – ሕጂ ንኣመሪካ ክጸሉ ዝኽእል እንታይ ክገሃድ ይከኣል?

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንሃገራት ምዕራብ ዘሳቕዩ ካልኦት ናይ ሽበራ ጉጅለታት ክጫጭሑ እዮም ዝብል ስግኣት ክሳብ ክንደይ ንኣመሪካ ከሻቕላ ይኽእል? ነቲ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝካየድ ዘሎ ኣመሪካን መሓዙታን ዝተሳተፍኦ ኲናት ከመይ

ክጸልዎ ይኽእል? ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዘለዉ ብምዕራባውያን ዝድገፉ ዕጡቓት ከም ቀደሞምዶ ክቕጽሉ ይኽእሉ ወይስ
ሓድሽ ጸላኢ ይፈጥሩ ይዀኑ?
ቅድሚ ሕጂ ሃገራት ምዕራብ ዝፈጠራኦም ጉጅለታት ዕጡቓትዶ ኣንጻር ፈጠርቶም ብረቶም ዘቕንዕሉ ኩነታት  ኣይተራእየን እዩ. . .?
ድሕሪ ፳፻-2000 ዓመት “ዓድና” ኢሉ ተመሊሱ ዘሎ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሃገረ እስራኤል ካብ
ዝምስርት 70 ዓመትዶ ኣቝጺሩ የሎን?
እየሩሳሌምስ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ካብ እትኣቱ ፶-50 ዓመትዶ ገይራ የላን. . .ዝብሉ ወገናት፡ ናይ ትራምፕ ውሳነ
ዘልዕሎ ነድሪ ብመዓልቱ ቀሰይ ኢሉ ከም ዝዝሕልን ዝግ ኢሉ ከም ዝወርድን ይገልጹ።
ግብጺ ንእስራኤል ኣፍልጦ ክትህባ እንከላ ዝተራእየ ናይ ኣዕራብ ምንጽርጻር ብመዓልቱዶ ኣይዘሓለን. . .?
ዝብሉ ወገናት፡ ፕረዚደንት ኣንዋር ሳዳት ብዘቤታዊ ዕጡቓት ህይወቱ ከም ዝኸፈለ ክርስዑ የብሎምን በሃልቲ እዮም።
ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ከም ዘበጋግስን ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ማእከላይ ምብራቕ ውልቃዊ
መጥቃዕታት ከም ዝበዝሕን ዘተንብሁ ወገናት ብዙሓት እዮም።
ቱርኪ፡ ፈረንሳ፡ ኢራን፡ መሻይኽ ዩኒቨርሲቲ ኣልኣዝሃር ወይ ባራክ ኦባማ፡ ናይ ትራምፕ ውሳነ መዘዛት ከስዕብ ከም ዝኽእል ንዝህብዎ መጠንቀቕታ ክሰምዕ ዝቐነየ ትራምፕ ግን፡ ኣብ ዕላማኡ ነቒጹ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣመሪካ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ እንተደኣ ሂባ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ከምዝብል ከኣ ክንዕዘብን ክንሰምዕን ኢና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close