ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ ፻፴፩ ተመሃሮ ኣመሪቑ – 131 Eritrean Students Graduated From Marine College

ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ብዓውድታት ሃብቲ ዓሳን ስነ-ሂወታውያን ባሕሪን፡ ምህንድስና ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ቴክኖሎጂ መግቢ ዓሳ ዘምሃሮም – ፵፱-49 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ፻፴፩-131 ተመሃሮ፡ ብ2 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።


ኣብ’ዚ ን10ይ ግዜኡ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ፡ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ፡ ኤርትራ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፡ ልዕሊ ጠቕላላ ስፍሓት ድሩቕ መሬታ ዝኸውን ማያዊ ግዝኣት ከም እትውንን፡ ነዚ – ንረብሓ ወለዶታት ኣብ ግምት ብዘእተወን ዘላቕነት ብዘለዎን ኣገባብ ንምምዝማዙ ድማ፡ ሕጋጋትን ፖሊሲታትን ተዳልዩ ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ኣብ ምምዕባል ኣካዳሚያውን ሞያውን ዓቕሚ ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ድማ፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ ዶክተር ዘከርያ ዓብዱልከሪም ድማ፡ እቲ ኮለጅ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብዓይነትን ደረጃን መሰረታዊ ለውጢን ምዕባለን ከም ዘመዝገበ፡ ቊጽሪ ተመሃሮኡ እውን ብኡ መጠን እናወሰኸ ከምዝመጸ፡ እቶም በብእዋኑ ዘመረቖም ፲፬፻፳-1420 ተመሃሮ – ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ምስ ባሕሪ ርክብ ኣብ ዘለወን ካልኦት ትካላት መንግስትን ተመዲቦም ኣብ ንጡፍ ሃገራዊ ዕማም ከምዝርከቡ ሓቢሩ።


ብቕዓት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዝተገብረ ጻዕሪ፡ እቲ ኮሌጅ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘበናዊ ኣብያተ-ፈተነን ብቑዓት  ዜጋታት መማህራንን ዓጢቑ ምህላዉ፡ ተመሃሮ ድማ ምስ ዝምልከተን ኣካላትን ትካላትን ብምትሕብባር ግብራዊ
ትምህርቲ ይቐስሙ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ዶክተር ዘከርያ፡ ተመረቕቲ ኣብ ኮለጅ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብግብሪ ክዓዪሉ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።


ወኪል ተመረቕቲ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽላት ትምህርትን ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕምን
ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ምዃኖም ብምሕባር፡ ኣብ ዘዝተመደብዎ ቦታ ተወፋይነት ክሰርሑ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጻ።
ኣብ ፳፻፭-2005 ኣገልግሎት ዝጀመረ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብኣርባዕተ ዓውድታት
ዘምህሮም ፫፻፶፩-351 ተመሃሮ ኣለውዎ። 

Source: http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_04062017.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close