ኮለጅ ንግድን ቊጠባን ሓልሓለ ፫፻፳፫ (323) ተመሃሮ ኣመሪቑ
ኮለጅ ንግድን ቊጠባን ሓልሓለ፡ብ7 ዓውድታት ትምህርቲ ከምህሮም ዝጸንሐ 323 ተመሃሮ – ካብኣቶም እተን 41 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ፡ ብ3 ሓምለ ን9ይ ግዜኡ ኣመሪቑ።
ምሩቓት፡ እቶም 170 ብዲግሪ 153 ድማ ብዲፕሎማ ክኾኑ ከለዉ፡ ትምህርቲ ፋይናንስ፡ ኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ስነ-ቊጠባ፡ ህዝባዊ ምህደራ፡ ባንኪንግ፡ ቱሪዝም ከምኡ’ውን ምሕደራ ሆቴላት’ዮም ቀሲሞም።
ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ኮለጅ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ወ/ሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ምስጢር ዓወትን ምዕባለን – ትምህርትን ንቕሓትን ምዃኑ ጠቒሳ፡ “ምዕቡል ቊጠባ መሰረት ሓይልን ህላወን ሃገር” ስለዝኾነ፡ ተመረቕቲ ዝካየድ ዘሎ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ንምድንፋዕ ተሳትፎኦም ከሐይሉ ኣዘኻኺራ፣ ዲን ኮለጅ ንግድን ቊጠባን ሓልሓለ ዶ/ር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ብወገኑ፡ ዕላማን ተልእኾን ናይ’ቲ ኮለጅ ድሕሪ ምብራህ፡ ብቕዓት ስርዓተ- ትምህርቲ ናይቲ ኮለጅ ንምምዕባል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ምስ ዝርከቡ መሻርኽቲ ብምትሕግጋዝ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሕጽረት መማህራን ንምፍታሕን ዓቕሚ ዜጋታት መማህራን ንምምዕባልን፡ 3 ብዶክትሬት ዲግሪ፡ 8 ከኣ ብማስተርስ ዲግሪ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ይስልጥኑ ከምዘለዉ ድማ ገሊጹ።
ኮለጅ ንግድን ቊጠባን ሓልሓለ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ብዝተፈላለየ ዓውድታት ትምህርቲ ዘምሃሮም – 2134 ብዲግሪ፡ 2213 ብዲፕሎም፡ 32 ድማ ብሰርቲፊኬት ከምዘመረቐ ሰነዳቱ የመልክቱ።