ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ፪፻፹፩-281 ተመሃሮ ኣመሪቑ

ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዝርከብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ትማሊ 4 ሓምለ፡ 42 ሚእታዊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 203 ብዲግሪ፡ 18 ብዲፕሎማ፡ 60 ድማ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቑ።

እዞም 281 ተመሃሮ፡ ብ11 ዓውድታት – ማለት ብጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ፡ ሕጊ፡ ስነ-ጥንቲ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ስነ-ሕብረተሰብ፡ ማሕበራዊ ዕዮን ረቂቕ ጥበባትን’ዮም ተመሪቖም።

ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ ዶክተር ወልደትንሳኤ ተወልደ፡ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ስነ-ሰባውን ጥበባውን ሞያዊ ፍልጠት ዘተኰረ ትምህርቲ ብምቕራብ፡ ምሁራት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ብስነ-ምድራዊ ሓበሬታ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ምጅማሩ ድማ ናይ’ዚ መቐጸልታን መርኣያ ናይ’ቲ በብእዋኑ ዝምዝገብ ዘሎ ዕቤትን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመተ-ትምህርቲ ክልተ ተወሰኽቲ ናይ ዲግሪ ፕሮግራማት ንምጅማር መደብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ዶክተር ወልደትንሳኤ፡ ንዝለዓለ ናይ ዶክትሬት ትምህርቲ ናብ ወጻኢ ተላኢኾም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ተልእኾኦም ብዓወት ዛዚሞም ከም
እተመልሱ፡ እዚ ድማ ንዓቕሚ ናይ’ቲ ኮለጅ ብምድራዕ፡ ንሕጽረት ዜጋታት መማህራን ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ዝገብር ምዃኑ ኣረዲኡ።

“መመረቕታ፡ ዓወት ዝጽምበለሉ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፈጸምታ ናይ ሓደ ደረጃን መእተዊ ናብ ሓድሽ መድረኽን’ዩ” ዝበለት ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ብግደኣ፡ ምሩቓት – ህዝብን ሃገርን ዘንበሩሎም ሓደራ ብተወፋይነት ከተግብሩ ዘለዋ እምነት
ገሊጻ።
ወኪል ተመረቕቲ፡ ትምህርቲ – ደረጃን ዓቕምን ደቂ-ሰብ ዘበርኽ፡ ማዕርነት ዘረጋግጽ፡ ኣተሓሳስባ ደቂ-ሰባት ዘዕምቚን ዘስፍሕን፡ ብዓቢኡ ከኣ ምሁር መንእሰይ ንከባቢኡን ዓለምን ክቕይር ዝኽእል ሓይሊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድልውነቶም ንውፉይ ኣበርክቶ
ኣረጋጊጹ።
ኣብ 2006 ዝተመስረተ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ሎሚ ዓመት ን10ይ ግዜኡ’ዩ ኣመሪቑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close