ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ተኸቢሩ

ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ናይ ዓመተ ህጅሪያ 1437፡ ትማሊ 12 መስከረም ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ተኸቢሩ።

%e1%8b%92%e1%8b%b5-%e1%8a%a3%e1%88%8d%e1%8a%a3%e1%8b%b5%e1%88%93-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%88%98%e1%88%8b%e1%8a%a5-%e1%88%83%e1%8c%88%e1%88%ad-%e1%89%a5%e1%8b%b5%e1%88%9d%e1%89%80%e1%89%b5-%e1%89%b0
ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናን ኣኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ካብ ዝርከባ መሳጊድ “ኣላሁ ኣክበር’’ እናበሉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ-
መስከረም ምስ ተኣኻኸቡ፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን ተመሪሖም ሰላት ዒድ ሰጊዶም።

ሙፍቲ ኤርትራ ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንመእመናን ሃይማኖት እስልምና ድማ ብፍላይ “እንቋዕ ኣብ’ዚ ቅዱስ ዕለት ኣብቃዓና’’ ድሕሪ ምባል፡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይቲ በዓል ዝምልከት መግለጺ ሂቦም።

ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን ኣስዒቦም፡ ኩሎም መእመናን ሓድሕድ ክተሓጋገዙ፡ ብፍቕርን ስኒትን ክነብሩ፡ ከምኡ’ውን ንጽጉማትን ዘኽታማትን ክሕግዙ ኣባታውን መንፈሳውን ምኽሪ ለጊሶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኤርትራን ህዝባን ሰላምን ብልጽግናን፡ ንሓይልታት ምክልኻል ዓወት፡ ሕጃ ንዝኸዱ ድማ ኣምላኽ ጸሎቶም ክቕበልን ብሰላም ናብ ሃገሮም ክመልሶምን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close