ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ

ዜና – ዒድ ኣል-ፈጥር ኣል-ሙባረክ፡ ትማሊ 6 ሓምለ ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተባዒሉ። ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ምእመናን ንሓባራዊ ሰላት ዒድ “ኣላሁ ኣክበር” እናበሉ ብንግሆኡ’ዮም ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተኣኻኺቦም። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናንን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣልኣሚን ዝተመርሐ ሰላት ዒድ ተኻዪዱ።

Eritrean Eid Mubarek Celebration in Asmara 2016

ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣብ ዘስመዕዎ ኹጥባ፡ “ዘይድንግጽ ኣይድንገጸሉን” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ’ዚ ክቡር ዕለተ-ዒድ፡ ይቕረ ብምብህሃል ልብና ከነንጽህ፡ ንዝተጸገሙን ንዘኽታማትን ክንሕግዝ፡ ንዝሓመሙ ከነጸናንዕ ከምኡ’ውን ንሓድሕድና ክንፋቐር ተላብዮም። ሼኽ ኣልኣሚን ወሲኾም፡ ብዛዕባ ዘካት ዒድ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ዒድ ጽጋብን ሓጐስን፡ ዒድ ሰላምን ርግኣትን፡ ዒድ ዕቤትን ብልጽግናን ክኾነልና፡ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

Source: http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07072016.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close