ይወሰኸኒ በለ ቈፎ

ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብዝግባእ ከነባብርዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ወግዒታት ኣለዎ። ነቶም ንቡራት ኰይነምዎ መዓልቲ መጸ ዘሰላስሎም ንጥፈታትን ግንዛበ ዘድልዮም ስረሓትን ብዝወረሶምን ባዕሉ ብዘጥረዮምን
ትሕዝቶታት ባህሊ የካይዶም።
ዝበዝሕ እቲ ሕሉፍ ወለዶ ከዘውትሮ ዝጸነሐ ባህሊ ምስ ግዜ ነበረ እናተባህለ ካብ መዓልታዊ ህይወት ናይ’ቲ ህልዊ ሕብረተ-ሰብ የልግስ። ገለ ልምዲን ወግዒን ግና ነቲ ድሒሩ ዝመጽአ ወለዶ’ውን ኣጸቢቖም የገልግልዎ።
ንእግረ መንገዶም ከኣ እቲ ነበረ ዝተባህለ ወለዶ ክሳብ ክንደይ ብልሂ ከም ዝነበረ የረድኡ። ካብኡ ሓሊፎም ልምዲታትን ወግዒታትን መወከሲ ኰይኖም የገልግሉ። እኳ ድኣ መወከሲ ብዙሓት ንልቦናን ትምህርቲን ዝዀኑ ነገራት።
እዚ ንሎሚ ተመሪጹ ዘሎ ኣርእስቲ’ውን ሓደ ካብ’ቲ ዝዀነ ወገን ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ክልብም ወይ ከስተውዕል ከም ዘለዎ ንምንጋር ዝተባህለ’ዩ። ብጥበብ ከም ዝተባህለ ከኣ የረድእ።
እቶም ነዚ ኣበሃህላ ዝደረሱ ስነ-ጥበባውያን ናይ’ቲ እዋን፣ በዚ ክሳብ እዚ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ድርሰቶም ኣቢሎም ስነ-ጥበብ ወትሩ ምስ ደቂ ሰባት ዝነብርን ምሳኦም ዝቕጽልን ዝልወጥን ምዃኑ የረጋግጹ።
ሰብ ብኣፍ ካልእ ኣቢሉ ሓሳቡ ከም ዘመሓላልፍ እውን እዚ ኣርእስቲ ይነግር’ዩ። ወርሓት ቀውዒ ወይ
ቀውዒ እውን ከም ሰብ ኣፍ ኣውጺኡ ይዛረብ ኣሎ። ሰብ ብተምሳለት ይዛረብ ይብልኹም።
ከመዮ ሰብ ዘይብሉ ግራት ይፍጠረለይ ትብል ቅንፍዝ ዝበሃል። እቲ ክውን ነገር ቅንፍዝ ሰብ ዘይብሉ ግራት ክትረክብ ጭራሽ ኣይትጸልእን ትኸውን።
ንዝኣተወቶ ግራት ዕፉን ካብ ሰበኸቱ ክሳብ ሱማኡ ከይተሰከፈት ክትበልዕ ትኽእል’ያ። ነገረ ሸዊትን ጭልቅዕን ድሕሪ ሓሰኻ ቅንፍዝ ትፈልጦ ይብልዋ። ካልእ ዕላል ድኣ ከይከውን ከም ሓሰኻ ገይሩ ንሸዊት ዝፈልጥ የለን ይበሃል።
ሰብ ቀደም፣ ብፍላይ’ኳ ዓበይቲ ሰባት ንሸዊት ዕፉን ምስ ሓሰኻ እናተቐዳደሙ ይበልዑ ነይሮም ይበሃል። እቲ ሸዊት ልስሉስን ጥዑምን ድዩ ኣይፋሉን ሓሰኻ ይፈልጦ። ሰብ ከኣ ካብ ጥበብ ሓሰኻ ይመሃር።
ንዓኹም ኣንበብቲ ድኣ ሰኸኽ ከየብለኩም’ምበር፣ ሓሰኻ ጅምር ኣቢሉ ዘይወድኦ ሸዊት ዕፉን ብሰብ ተመራጺ ነይሩ ይብልኹም። እዚ ሃለው ክብለሉ ዝጸናሕኩ ዘረባ ብሓደ ምስላ ይጠቓለል። “ንሸዊትስ
ሓሰኻ ይፈልጣ” ብዝብል ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ትግርኛ ዘሎ ምስላ።
ቀውዒ፣ ሓረስታይ ፍረ ጻዕሩ ዝረኽበሉ ወቕቲ’ዩ። ባህ ዘብል ድኣ ኣይኰንን እምበር፣ ቅድም ቀዳድም
ቀለብ ቀውዒ ዝበሃል ይርከብ። ወላ’ውን ኣብ ሓደ ክረምቲ ዝኣክል ማይ ኣይዝነብ፣ ቀውዒ ሓሚቑ
እንተሓመቐ፣ ቀለብ ቀውዒ ኣይከልእን።
እዚ ግዜ ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ክግመት ይከኣል። እዚ ግዜ ምስ’ቲ ሓረስታይ ዘሕለፎ ጻዕሪ ክነጻጸር
እንከሎ፣ ኣምሲሑ ዘየድርር ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ክኢላታት ኣፋዊ ያታ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ
“ካብ ዓውዲ ናብ ዓውዲ” ብምባል ይገልጽዎ።
ኣብ ሓደ ቀውዒ ዝተረኽበ እኽሊ እምብዛ ውሑድ ምስ ዝኸውን ኣብ’ቲ ዓውዲ ይጠፍእ። ዓውዲ ምስ
ጀመረ ካብ ዓውዲ’ዩ ዝምገብ። ኣብ ዓውዲ መቐነዪ ክኸውን እናተባህለ ዝጥጠቕን ዝቕሎን እኽሊ’ሎ።
እኽሊ ዓውዲ ውሑድ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ’ዚ ዝተባህለ ኣይሓልፍን። ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቀውዒ ይኽደነንን ይኽደንኩምን።
ፈጣሪ ክፈቱ እንከሎ ግና ኣብ ሓደ ቀውዒ ዝኣተወ እኽሊ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይጸንሕ ይብልዎ። አረ
ኣብ ክልተ ዘለላ ናይ ግጥሚ ናይ ሓደ ደርፊ ተቐሚጡ’ሎ።
ኣንስቶም ክጽብቓሎም ዝደለዩ ሰብኡት ቀደም (ዓዲን ከባብን እቶም ሰብኡት እንተደለኹም ሻሂ እናሰተና ነዕልለሉ) ንኣንስቶም፡ ከራሚ እኽሊ ሽጥዮ፣ ተቘነንዮ ኢሎም ደሪፎምለን እዮም።
ደቂ ሎሚ እንታይ ኢሎም ከም ዝደርፉለን ግና ኣይፈለጥኩን። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ መወሰኽታ ዝኸውን ብኣጸዋውዓ ኣደታትና “ኣርቴ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ጸጒሪ ዕዳጋ ምስ ተረኽበ ግና፡ ሃሰስ በልዎ እቲ ጸጒራ
ጓልያ ሓደራ እናተባህለ ክድረፍ ጀሚሩ’ዩ።
እንታይ ግድኹም፣ ዛንታ ናይ’ታ ከምኡ ተባሂሉ ዝተደርፈላ ጓል ከም ዝብሎ እንተድኣ ኰይኑ፣ ጓልያ ሓደራ
ካብ ዓዲ ንኸተማ ኣትያ ንዝተወሰነ ግዜ ሰሪሓ ንዓዲ ተመልሰት። ጓልያ ሓደራ ንዓዲ ምስ ተመልሰት ወዲ ዓዳ ዘበለ ኣብኣ ዘይፈልጦ ነገር ክዕዘብ ጀመረ።
ሊፍ ዘይኣኽላ ጸጒሪ ከም ዘለዋ ዝፈልጥ ሰብ ክሳዱ እናጠወየ ክሪኣ ጀመረ። ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተገጥመ
ክልተ ዘለላ ከኣ ሰው ኣበለላ። ሰው ምባል ዘይገድፍ ሓውኹም’ውን ሰው ኣበልኩልኩም ድኣ።
ኣብ ሕብረተ-ሰብና “ይወሰኸኒ በለ ቀውዒ” ዝብል ኣበሃህላ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ኣብ ርእሲ ዘለዎ እናወሰኸ ክነብር ከም ዘለዎ ንምርዳእ ዝዝውተር ዘረባ’ዩ። ሓረስታይ ኣብ ሓደ ቀውዒ ዘእተዎ እኹል ምህርቲ እናሃለዎ ካብ ዝኣቱ ዘሎ ሓድሽ ቀውዒ እውን ተወሳኺ ምህርቲ ክሓፍስ ኣለዎ።

ናይ ዝሓለፈ ቀውዒ ምህርቲ ካብ ቈፍኡ ከይወጸ እንከሎ ብሓድሽ ምህርቲ ክተኣማመን ይግባእ። ከራሚ ይኹን ቅድሚኡ ናይ ዝሓለፉ ክረምቲ እኽሊ ይኹን ቃንጫ እናሃለዎ፣ ሓደ ሓረስታይ ቀውዒ መጸ ሓድሽ

ምህርቲ ካብ ምእካብ ድሕር ክብል ከም ዘይብሉ እዚ ኣበሃህላ ይምዕድ።
ካብኡን መሳሊኡን ነቒሉ ከኣ ነብሲ ወከፍ ኣባል ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ፣ ዘለዎ ዘበለ ከይተወድአ እንከሎ ክሳብ እቲ ዝድለ ግዜ ክቚጥብ ይደሊ።
ኣደታት፣ ኣብ ዳንካአን ዘሎ ሓርጭ ከይተወድአ እንከሎ እኽሊ ይኽርክራን ዝኸርከራኦ ይህንቊጣን። ኣቦታት እኽሊ ዝሓለፈ ቀውዒ እንከለዎም ዘሎ ይኣክል’ዩ ከይበሉ ዝናብ ጥብ ክብል ምስ ጀመረ ናብ ማሕረስ ይጓየዩ።
ሓደ ጓሳ ኣብ ምምሕሳሩ ወይ እንዳ ሓሰሩ ዘሎ መግቢ እንስሳ ከይተወድአ እንከሎ ካብ በረኻ ክኣራሪ
ወይ ክኣኻኽብ ይጅምር። ከብቱ ምስ ብርከን ምስ ዝህልዋ’ውን ኣብ ገዛ ይኹን ካልእ መጠቀቢ ንዘሎ መግቢ እንስሳኡ ንግዜኡ ኣጽኒሑ ንኸብቱ ዝብላዕ ናብ ዘለዎ ቦታ ይወስደን።
ከም’ቲ ዝምሰል’ውን ገረብ ኣብ ሱራ ትሓብእ ይበሃል። እታ ገረብ ኣብ ቈጽላ ይኹን ካልእ ክፋል ኣካላታ ዘሎ ትሕዝቶታት መግቢ ክውዳእ እንከሎ፣ ካልእ ኣማራጺ ክሳብ እትረክብ ካብ ሱራ ትምገብ።
ጻጸ ብዝዓቕሙ ዘለኒ ይኣኽለኒ እንከይበለ(ከም ዝበሃል ጻጸ ኣብ ሓደ ቀውዒ ዝኣከቦ እኽሊ ክሳብ
ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ኣብ ጒድጓዱ ይጸንሕ’ዩ) ቀውዒ መጸ ወይ ካልእ መግቢ ኣብ ዝርከቡ መግቡ ይኣኻኽብ።
ጻጸን ነየዐርፍ ኣድግን ነይሸርፍ ከኣ ይምሰል። ካብ’ዚ ኣርእስቲ ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ ሓሳብ ምውህላል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ። ኣካ ነቲ ዘለካ ይወሰኮ። ኣብ ኢድካ ዘሎ ምስ ተወደአ ካብን ናብን ዕጥይጥይ ምባል ግዳይ ትዕዝብቲ ከም ዝገብረካ እውን ኣነ ብዝዓቕመይ ተረዲአ ኣለኹ።
ከማይን ካባይ ንላዕሊን ሒዝኩም ክትኰኑ ተስፋ ኣሎኒ። ወደሓንኩም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close