ገዲም ተጋዳላይ ሌ/ኮሎኔል ተ/ሚካኤል ተ/ልደት ተሰዊኡ – RIP Veteran Lt. Teklemikael Tekleldet
ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ጨንፈር ህዝባዊ ምዝገባን ማሕበራዊ ተሃድሶን – ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ተስፋልደት (እጅጉ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 4 ሓምለ ኣብ መበል 63 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።
ብዝሓደሮ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ኣብ 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ስዉእ ሌተና ኮሎኔል ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ምኽባር ልኡላውነትን ሃገራዊ መደባት ልምዓትን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።
ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ተስፋልደት፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ 4 ሓምለ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።
ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ሓርበኛ ተስፋሚካኤል ተስፋልደት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን፡ “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።
Source: Haddas Eritrea