ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲናቪያ፡ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ፡ ኣብ ስቶክሆልም – ሽወደን፡ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ከምእተኻየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተኸፍተን ኣስታት 10 ሽሕ ተሳተፍቲ ዘአንገደን ፈስቲቫል፡ ሰሚናራት፡ ቊሸት ብደረጃ ከተማታትን ዞባታትን ናይ ሃገራት ስካንዲናቭያ፡ ባህላዊ መደባት፡ ቊሸት ህጻናት፡ ምርኢት ባዛር፡ ህዝባዊ ጓይላን ካልእ መሰናድኦታትን ዘጠቓልል ምንባሩ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲናቪያ ተኻዪዱ - Festival Eritrea In Scandinavia

ሚኒስተር ዑስማን፡ ንህልው ኩነታት ሃገርና ከምኡ’ውን ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ሰሚናር፡ ዝኣክል ፍልጠትን ሞያን ዝዓጠቐ መንእሰይ ሕመረት ምዕባለን ብልጽግናን ሃገር ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝሕዝኦ ዓቕሚን ብቕዓት ዝህብኦ ትምህርትን ንምዕባይ፡ ሞያዊ ስልጠናታት ዝያዳ ንምስፋሕ፡ መንግስቲ ገዚፍ ወፍሪ ብምግባር ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዝርከብ ገሊጹ።

እቲ ወፍሪ ኣብ ባይታ ርኡይ ገስጋስ የመዝግብ ከምዘሎ ድማ ኣረዲኡ። ንዝምድናታት ወጻኢ ብዝምልከት፡ ምዕሩይን ኣብ ሓባራዊ ሽርክነታዊ ረብሓ ዝተመስረተን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ንምፍጣር፡ ኤርትራ ልዑል ኣተኲሮ ሂባ ከምእትሰርሓሉ ብምንጻር፡ እዚ ዓይነት ዝምድና ቀጻልነቱን ድልዳለኡ ዘተኣማምን ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብመትከል ከምዝሰርሓሉ ኣረጋጊጹ።

ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝካየዱ ዘይፍትሓዊ ተግባራት፡ ንሓያል መኸተ ህዝቢ ዘጉልሑ ምንባሮም ዝገለጸ ሚኒስተር ዑስማን፡ ቊጽሪ ናይ’ተን ቅኑዕን ሓራን ፖለቲካዊ መስመር ኤርትራ ዝግንዘባ ሃገራት፡ ካብ እዋን ናብ እዋን ምዕባዩ ሓደ ካብ’ቲ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ምስ ኣባላት ውዳበታት ህግደፍ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ እውን፡ ኣብ ኣገዳስነት ኣበርክቶ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ምውርጻጽ ውዳበን ዘተኮረ ርክብ ኣካዪዱ።

ሓድነትን ጥምረትን ዘይብላ ሃገር ቀጻልነታ ክወሓስ ከምዘይክእል ዘስመረ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣባላት ሃገራውያን ውዳበታት፡ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምድልዳልን ኣበርክቶ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ምሕያልን ኣተኲሮም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *