15 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ – ው.ሕ.ሃ

ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደርቅን ተርእዮ ኤልኒኖን ብውሑዱ 15 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓደጋ ጥሜት የንጸላልዎም ከምዘሎ ውግዓዊ ልሳን ውድብ ሕቡራት ሃገራት – ኢሪን ኣፍሊጡ።

Suffer from Hunger - 15 Millionen Ethiopian

እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ሚልዮን ዜጋታቱ ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለዉ ከምእተኣመነ ብምጥቃስ፡ እቶም ግዳያት ግና ልዕሊ ዕጽፊ ምዃኖም ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ። “ኣብ ኢትዮጵያ 15 ሚልዮን ህዝቢ ብሓደጋ ጥሜት የንጸላልዎ ኣሎ ክበሃል እንከሎ፡ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሶርያ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝኸይድ’ዩ” ዝበለ ማዕከን ዜና ኢሪን፡ ህጹጽ ረድኤት እንተዘይተረኺቡ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ኣልጀዚራ ንጸብጻብ ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት (ዩኒሴፍ) ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 350 ሽሕ ህጻናት ኢትዮጵያ ጥሜትን ሓጸቦን ብዘስዕቦ ኣማህማኒ ሕማማት ተጠቒዖም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ህጹጽ ናይ መግብን መድሃኒትን ረዲኤት እንተዘይተገይሩሎም ክሞቱ ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቅን ዓጸቦን፡ ምስቲ ኣብ 1984-85 ተኸሲቱ ዝነበረን ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ዝቐዘፈን ደርቂ ዝመሳሰል ምዃኑ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣገንዚቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት ናብ ዓጸቦ ክሰጋገር ብምጅማሩ፡ መዓልታዊ ትንፋስ ሓያሎ ህጻናትን ኣረጋውያንን ይጠፍእ ከምዘሎን ገምቢ ኣሽሓት ጥሪት’ውን ፈቐዶኡ ተዛሕዚሑ ይርአ ከምዘሎን ማዕከናት ዜና የመልክታ።

Source: Haddas Eritrea

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close