Commemoration of the Eri-Martyrs Day in Berlin – Germany

Eritrean picture slideshow: The Commemoration of the Martyrs Day in Berlin – Germany with Patriotic keenness.

ኤርትራውያን ተቐማጦ በርሊን 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብኽብሪ ዘኪሮም

ኤርትራውያን ተቐማጦ በርሊንን ከባቢኣን ብዕለት 20.06.2013 ኣብ ቐጽሪ
አ.ምባሲ ሃገረ አ.ርትራ ምስቶም ተረከብቲ ሕድሪ ደቆም ብሓባር “ሃገር ኣብ ዝኽሪ
ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብክብ
ዝበለ ሃገራዊ መንፈስ ኣኽበሩ።
መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ብድሕሪ ምኽፋት ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን
ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ፡ ረዚን መልእኽቲ ሰማእታት ብድሕሪ ምቕራብ ፡ ስዉኣትና
ዋላእኳ ብኣካል ምሳና ኣይሃልዉ እምበር ኣብ ልቢ ኩሉ አ.ርትራዊ ግን ነበርቲ አዮም
ብፍላይ አብዛ መዓልቲ እዚኣ 20 ሰነ ሕድሮም እነሕድሰሉ ዕለት ስለዝኾነ ሕጂ’ውን
ሕድሪ ስዉኣትና ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ፡ ሓድነትና ኣደልዲልና ሰላምን ዕብየትን ህዝቢ
ኤርትራ ዘይደልዩ ፡ ንነኣሽቱ ፍጻመታት ኣተዓባብዮምን ዘይትርጉሙን ትንታኔኡን
ሂቦም ፡ ዘይነበረን ዘይተገብረን ፍጻሜታት እናደረሱ ፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣብ
ህዝቢ ናዕብን ፍልልያትን ከሳውሩ ኣብ ህርድግ ዝርከቡ ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ
ኤርትራ ብዝሓየለ ናይ ምምካትን ምስዓርን ያታና ዝያዳ ክስውድ ከምዘለዎ
ኣዘኻኸረ ። ስዉኣትና ንኽቐስኑ ኣብ ፕሮጀክት „ምንባይ ስድራ ስዉኣት“ ተሳትፎና
ንኽዓቢ ለበዋኡ ብድሕሪ ምልግጋስ መደብ ምብራህ ሽምዓ ሰማእታት ጀመረ።
ቀጺሉ ም/ኣቦ መንበር ማ/ኮም በርሊን ኣቶ ሙሴ ፍስሃየ ፡ “ስለ ናጽነት መስዋእቲ
ስድራቤት” ዘርእስታ ኣብ ክዉን ዛንታ ተሞርኮሰ ብዛዕባ ሓንቲ ኤርትራዊት
ስድራቤት ዝገልጽ ታሪኽ ብድሕሪ ምቕራብ ንተሳተፍቲ ኣብ መደባት ዕለተ 20 ሰነ
ንኽሳተፉ ብኽብሪ ዓደመ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ፕሮጀክት „ምንባይ ስድራ
ስዉኣት“ ዝተዓወቱ ስድራ ቤታት ካብ ኢድ ክቡር ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ናይቲ
ሰናይ ተግባሮም መርጋገጺ ስነድ ክዕድሉ ከለው፡ ካብ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ
ስድራቤታት ድማ ኣብቲ ቅዱስ ዓላማ ፡ ፕሮጀክት „ምንባይ ስድራ ስዉኣት“ እጃሞም
ንኽሳተፉ ድልውነቶም ኣረጋገጹ።
ስዉኣትና ከይቀሰኑ ኣይንቐስንንኢና
ዓወት ንሓፋሽ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስወኣትና
ማሕበረኮም በርሊንን ከባቢኣን
ዕለት 23.06.2013

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close