Eritrean Cyclist Merhawi Kudus Elected By MTN Qhubeka For Volta

Eritrean Cyclist Merhawi Kudus Elected By MTN Qhubeka
Eritrean Cyclist Merhawi Kudus Elected By MTN Qhubeka

Eritrean Sport News: ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ክሳተፍ ብጋንትኡ ተመሪጹ

ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ክሳተፍ ብክለቡ ተሓጽዩ ምህላው ፕሮ-ሳይክሊን-ስታተስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 1ይ ዓመት ናይ ፕሮፌሽናል ግዚኡ ናብዚ ብግራንድ ቱር ዝልካዕን ን21 መዓልታት ዝኸይድን ከቢድ ውድድር ክኣቱ ምኽኣሉ ጋንትኡ ብብቅዓቱ ኣመና ሕጉስቲ ምህላዋ ዘርኣየ ፍጻሜ ኢዩ።
ቮልታ ስጳኛ 23 ነሓሰ ዝኽፈት ኮይኑ ከም ልሙድ ነተን 18 ብ1ይ ደረጃ ዝስርዓ ጋንታታትን 4 ዕዱማት ጋንታታትን ኢዩ ከሳትፍ። ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ብኣዳለውቲ’ቲ ውድድር ብዝተዋህባ ናይ ዕድመ “ዋይልድ ካርድ” ኢያ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ።
ኩለን ጋንታታት 9 ተቀዳደምቲ ሒዘን ናብዚ ውድድር ክኣትዋ ኢየን። ኤም.ቲ.ኤን 6 ተጻወትቲ መሪጻ’ላ። ዝተረፉ 3 ተቀዳደምቲ ድማ ኣብ ዝቅጽል ብቅዓቶም ርእያ ክትምልኦም ኢያ። ኤም.ቲ.ኤን ክሳብ ሕጂ መሪጻቶም ዘላ ተቀዳደምቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
MTN – Qhubeka
211.CIOLEK Gerald
212.GERDEMANN Linus
213.PARDILLA Sergio
214.MEINTJES Louis
215.SBARAGLI Kristian
216.KUDUS Merhawi

ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ናትናኤል ብርሃነ ዝጻወተላ ክለብ ዩሮፕ-ካር ውን ኣስማት 3 ተቀዳደምቲ ኣሕሊፋ’ላ፦
Team Europcar
151.VOECKLER Thomas
152.MALACARNE Davide
153.SICARD Romain

ናትናኤል ብርሃነ ምስቶም ብሕጂ ዝምረጹ 6 ተቀዳደምቲ ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።

– Amanuel Alazar

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close