Eritrean Martyrs Day Report Northrhine Westphalia – Germany


Eritrean Martyrs Day:

ኤርትራውያን  ነበርቲ  ከተማ ቩፕርታልን፡ ከተማታት ኖርድራይን ቬስታፋልያ ሰማእታቶም  ብኽብሪ  ዘኪሮም

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ቩፕርታልን ፡ ከተማታት ኖርድራይን ቬስታፋልያ ግዱሳት ኤርትራውያንን
ኣዕሩኽን ፈተውትን ኤርትራን ብብዝሒ መንእሰያትን ሕጻናትን ዝተረኸብሉ ብዕለት 19.06.2014 ኣብ
ከተማ ቩፐርታል ጥዋፍ ሰማእታቶም ኣብሪሆም ናይ እግሪ ጉዕዞ ብድሕሪ ምክያድ ፡ ብዕለት
21.06.2014 ካብ ስዓት 11.00 ክሳብ ስዓት 16.00 ኣብ ገረብ ስውኣት ተራኺቦም ማእታቶም ብኽብሪ
ዘኪሮም።
ብዕለት 21. 06. 14 ኣብ ገረብ ስውኣት ተራኺቦም መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት ፡ ኣደ
መንበር ሽ/ማ/ኮም ቩፐርታልን ከባቢኣን ወ/ሮ ደመት ስምኦን መግለጺ 20 ሰነ ሰማእታት ኤርትራ ፡
ኣብ ዘቕረበቶ ፡ እዞም ንልዕላውነትን ናጽነት ሃገረን ንኽብሪ ህዝብን ተበጀዉ ሰማእታትና ንኸነቕስን ፡
ህዝቢ ኤርትራ እታ ምስጢር ዓወታቱ ዝኮነት ዓባይ ሓይሉ “ሓድነቱ” ንወትሩ እናትረረ ንዝመጸ
ተጻብኦታት ብስሙር ሃገራዊ ፍቕርን ኒሕን ስጡም ሓድነትን መኸትኡ ንኸሕይል ዘተባባብዕ
መልእኽቲ ነብረ።
ስዒቡ ብወከልቲ ሃገራውያን ወዳቤታት ናይቲ ከተማን ተሳተፍቲን መደረን ግጥምን መግለጺታትን
ብመንእሰያትን ሕጻናትን ድማ ዜማ ሰምእታትን ብድሕሪ ምቕራብ ተሳተፍቲ ሽምዓ ብምብራህን
ጽጌሬዳታት ብምብርካትን ንኣብነታዊ ጅግንነትን ተወፋይነት ሰማእታት ኤርትራ ብምሙጓስን
ብምስትንታንን ንሰማእታቶም ሕልናዊ ጸሎት ብምብጻሕን ፡ ቃል ኪዳኖም ብምሕዳስን ፡ ብበሪኽ
ሃገራዊ መንፈስ ሕድሮም ከጽንዑን ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋገጹ። ብምቕጻል፡ ነቶም
ሎሚ ዓመት ኣብ ምሕብሓብ ስድራቤት ስዉኣት ዝተሳተፉ ኣብነታውያን ኤርትራያን ፡ ምስክር
ወረቐት ተዓዲሉ።
መደብ ሰነ 20 – 2014፡ ብዉሁድ ምትሕብባርን ግብራዊ ኣበርክቶን ኤርትራውን ውዳቤታትን
ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ቩፕርታልን ፡ ከተማታት ኖርድራይን ቬስታፋልያ ብጽፈትን ብውህደትን
ተዛዚሙ።
ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ፡ ናጽነትን ክብርን ኣልቢሶም
በጃ ንዝሓለፉ ሰማእታትና !
ዓወት ንሓፋሽ
ማ/ኮም ቩፐርታል ከባቢኣን
ዕለት ፡ 22.06.2014

Eritrean 20 Sene Report of Wuppertal 2014
Eritrean 20 Sene Report of Wuppertal 2014

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close