Eritrean Martyrs Day Report of Mannheim 2014


Eritrean Martyrs Day – 20 Sene:

ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኣብ ማንሃይምን ከባቢኡን
ከምቲ ልሙድ ኩሉ ነባራይ ማንሃይምን ከባኢኡን ኣብ ዕለት 19 06 2014 ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ገረብ
ስዉእት ዘላቶ(Burgere7 )ብርገር ፓርክ ካብ ኩሉ ከባባቢ ብእተፈላለዩ ኣገባብ መጎዓዚ ኩሉ ሃገራዊ
ብሓባር ንፍርቂ ሰዓት። ኣብታ ብቁጽሪ V.R15637 ተመልኪታ ዘላ ገረብ ስውእት ኩሉ ንሰማኣታት
ዝግበኦም ክብሪ ብፍላይ እታ ብደሞም ዝመጸት ክብርቲ ሃገራዊት ባንዴራ ኤርትራተኸዲና ዝነበረት ክሳብ
ክንደይ ረዚን ዋጋ ከም እተኸፍላ ዘርኢ መግለጺ ነይሩ።ኣብዚ ብዝክረሰማእታት ተኸፊቱ ነቲ ካብ
ኩሉከባቢ ዝመጸ ብፍላይ ዝበዝሑ ተኻፈልቲ መእሰያት ስለ ዝነበሩ
እቲ ምውርራስ ኤርትርዊ ክብሪ ብፍላይ ሰማእታትን ክሳብ ክንደይ ከምእነኽብሮም ብኣካል መጺኦም
ተሳቲፎሞ። ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ማንሃይምን ከባቢኣኡን ነቲ ኣብቲ ኩቡር ዕለት ዝመጸ ሃገራዊ
ኤርትራዊ ሰማእታትና ሓንቲ ሃገር ኣረኪቦምና እዚ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝመጸ ነጻነትስለ ዝኾነ ምዕቃቡ
ናትና ግደ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።እተፈላለዩ ጽሑፋት ንስውእትና ዘሎና ክብሪ ዝግሉጹ ተነቢቦም።እቲ
ካለኣይ ክፋል ኣከባብራ ምሸት ዕለት 19.06.2014 ኣብ ኣደራሽ C7 -2 ሰዐት 18 ካብቲ ናይ ፓርክ
ሰማኣታት ብዝደመቐ ንሰማእታትና ዝዝክሩ ጭርሖታት ዘወቀብ ኣደራሽ ልዕሊ 200
ኤርትራውያን ዓበይትን ናእሽቱን ኩሉ ንኽብሪ ሰማእታትና ኣብ ካርታ ኤርትራ ኣብ መሬት ተሳኢላ
ዝነበርት ነብስ-ወከፍ ሓሓንቲ ሽምዓ ኣብ ዶባት ኤርትራ ውሊዑ ብምቕማጥ ዘኪርዎም ኣምስዩ።
ኣቦመንበር ማሕበረ-ሰብ ማንሃይምን ከባቢኡን ነቲ መደብ ብዝክረሰማእታት ምስከፈቶ በጃን ንዝሓለፉ
ጀጋኑ፡ኣሕዋትናን፡ ኣዴታትና ኣቦታትና ብግብሪ ንደብሶም ኩሉን ንስድራ ሰማእታት ናይ
ምንባይ ሓላፍነት ወሲድና ኣይነዘኽትሞም ኣእጃምና ነልዕል።ድሕሪኡ ከም ልሙድ ነቲ መዕልቲ ዝያዳ
ሕድሪ ዘሰክሙ ብኣቦታትን ግጥምታትን ጽሑፋትን ተነቢቦም።ኣብዚ ምሽአት ዝኣተወ ብሽያጥ ሽምዓን
ካልእ 1008.75አይር ከምኡ ውን ኣብ ናይ መኸተ ሰሚናር ዕለት 27.04.2014 ካብ ተሳፍርቲ
ተረፍዝተረኽበ 140 ኣይሮ ብድምር 1148.75 ኤይሮ ንማዕከን ስድራ ሰማእታት ኣታዊ ተወፍዩ።
ኣብ ምዝዛም እዚ ረዚን ዝኽሪ ብፍላይ ኣብቲ መደብ ብዙሓት ተስፋ ኤርትራ መንእሰይ ስለዝነበሩ
ስለምንታይ ዕስራ ስነ ስለምንታይ ትርጉም ምውላዕ ሽምዓ ሓጼር መብርሂ ተዋሂቡዝ።ኣብዚ ተወሊዶም
ዝዓበዩ ኣብቲ ዝኽሪ ምስ ወለዶም ኪመጹ ስልዘይከኣሉ ብስድረኦም ልኢኾም ሽምዓ ወሊዕም።
ንመንእሰይ ህግደፍ ወኪላ ክብረት ዘርኣይ ነዚ ረዚን ሕድሪ ቋንቃ ጀርመን ትርጉም እዚ ረዚን ዕለት
ገሊጻ። እዚ ሓደ ካብቲ ዘሐብን ኤርትራዊ ክብሪ ኣዩ። መደብ ብሃገራዊ መዝሙር ልክዕ ሰዓት 2100
ምስኮነ ተዛዚሙ።
ኣ/ኣ ማሕበረ-ሰብ ማንሃይምን ከባቢኡን
ማንሃይም ጀርመን

Eritrean Martyrs Day - 20 Sene 2014 in Mannheim - Report
Eritrean Martyrs Day – 20 Sene 2014 in Mannheim – Report

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close