Eritrean Martyrs Day – Report Tigrigna – Germany – Mönchengladbach

Eritrean Martyr Day Event:

ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና ! ! ! ዓወት ንሓፋሽ ! ! !

ኣብ ከተማ ሞንሸንግላድባኽን ከባቢኣን / ጀርመን 20.ሰነ ብኽብሪ ተዘኪሩ

ኣብ ከተማ ሞንሸንግላድባኽን ከባቢኣን / ጀርመን እንርከብ ዜጋታት፡ ብምኽንያት እታ ክብርቲ ዕለተ 20.ሰነ ምዓልቲ
ስዉኣትና፡ ንዝኽሪን ክብሪን፡ ነቶም በጃ ኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ዝተሰዉኡ ኣካልና፡ ከም .ኩሉ. ኣብ ዉሽጢ_ሃገርን
ወጻኢን ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ሕልናና ንምቕሳንን ዝያዳ ክብሪን፡ ፍቕሪን፡ ንዉሉድ_ወለዶ ዘይሃስስ ዝኽሪ ኣብ ልዕሊ
ስዉኣትና ከም ዘለና ንምንጽብራቕን ተራኺብና፡ ብሓበንን፡ ኩርዓትን፡ ነቲ ሰማእታትና ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ
ዘበርከትዎ ህያብ ክብሪ ክንህብን ክነስተማቕርን፡ ብፍሉይ ን20.ሰነን፡ ዝሓቖፈቶ ትርጉምን፡ ብኽብሪ ንክንዝክርን፡ በቲ
ዝሃቡና ብርሃን ክንፍሳህን፡ ጥዋፍና/ሽምዓና ኣብሪህና ብመንፈስ/ብሕልና ምስ ኩሎም ታሪኽ “ጽሒፎም” በጃ ዝሓለፉ
ሰማእታት ክንራኸብ በቒዕና።

ሕጂዉን
! ! ! ቕሰኑ ሰማእታትና ! ! !
! ! ! ሓድጊ_ስዉኣትና እንዳጠመዩ/ከይተዓንገሉ፡
በይንና እንቖርሳ/እንበልዓ ሕብስቲ ኣይክትህሉንያ ! ! !
! ! ! እቲ ትማሊ ትኣምራት ከም ዝፈጸመ እትፈልጥዎን እትኣምንዎን ህዝብኹም፡
ሎሚዉን፡ ንሕጋዊ_መሰላቱ፡ መኪቱ ከየረጋገጸ/ከይተዓወተ ከቶ ዘፍ ኣይክብልንዩ ! ! !
! ! ! ክንዲ ዉቅያኖስ ፍልጠት ስለ ዘዉረስኩምና፡ ሓድነትና ንዘልኣለም ደልዲሉ ክነብርዩ ! ! !
!!! ምስ”ቲ እዚን መሰልቱን ዝብልን ዘተግብርን ህዝብና:
ንዉሉድ ወለዶ፡ ብኽብሪን፡ ኣድሚቕናን፡ ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ሰማእታትና፡ ወትሩ ክነዕዝዝ ኢና !!!

Eritrean Martyrs Day in Moenchengladbach - Germany

Source: ማሕበረኮም ሞንሸንግላድባኽን ሃ.ማ.ደ.ኤን ህ.ግ.ደ.ፍን

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close