Eritrean pictures of Hizbawi Mekete Stuttgart – Germany



Eritrean pictures of Hizbawi Mekete Stuttgart – Germany in January and June 2010.
ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ነቲ ዘይሕጋውን ኣዘይፍትሓውን
ዓማጺ ብይን ባይቶ ጸጥታ ብምቅዋምን ብምዅናንን ብዕለት 16.01.2010 ዘካየድዎ
ህዝባዊ መኸተ ብምቕጻል ብቀዳም ዕለት 05.06.2010 ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ኣካይዶም።
ናይ ክብሪ ጋሻ ክቡር ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ መኸተ ተረኺቡ
ንቍጠባውን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ምዕባለ ሃገርና ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታን
መብርህን ሂቡ።
ብድሕሪኡ ኣቦወንበር ማሕበረኮም ሽቱትጋርት እዚ ፍናን ህዝብናን መንግስትናን ክብ
ዘበለን ርእሲ ጸላእትናን ተጻባእትናን ዘድነነን ኣብ ጀነቭ ዝተኻየደ ቅያ ሰላማዊ ሰልፊ
በዋዳድብኡ ደኣ ፍልይ ዝበለ ይኹን እምበር ብዓይነቱን ብትሕዝቶኡን መቐጸልታ ናይ‘ቲ
ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ዝተፍላለየ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ምዃኑ ዘዛኻኽር
ሓጺር ታሪኽ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምትንታን መብርሂ ሂቡ።
ብድሕሪኡ ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን መጀመርያ ሓደገኛነት ስነ
ኣእምራዊ ኵናት ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ናባና ኣብ ስደት እንነብር ኤርትርውያን ዝቐንዐ
ስነ ኣእምራዊ ኵናት እንታይ ከም ዝመስልን ብኸመይ ክንብድሆ ከም ዘሎናን ብምሕባር
ኣዕጋቢ መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ ቀጺላ ማሕበረሰብኣዊ ብደሆታትና ኣብ ስደት ብፍላይ
ድማ እቲ ክቡር ሂወት ዝተኸፍሎ ኤርትራዊ መንነትና ኣብዚ ኣብ ስደት‘ውን እንተኾነ
ካብ ወለዶታት ናብ ወለዶታት እናትሳጋገረ ብኽብሪ ክንዕቅቦ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ሕቶ
ምዃኑ ብምዝኽኻር ድሕሪ ሕጂ ብሓደ ቅልጽምና ንሃገርና በቲ ሓደ ቅልጽምና ድማ
ኤርትራዊ መንነትና ኣብ ስደት ንምዕቃብ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከም ዘሎና ብምሕባር ነዚ
ጉዳይ ዕዉት ንምግባር ሓላፍነት ወሲዳ ክትሰርሕ ተዳልያ ከም ዘላ ንህዝቢ ገሊጻ።
እቲ ብሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ተወዲቡ ብልዑል ሃገራውነትን ተወፋይነትን መንእሰያት
ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ዝሰላሰል ዘሎ ድሮ ልዕሊ 500 ሚእቲ ህዝቢ ዝተኻፈሎ እምቢ
ንእገዳ ዝብል ናይ ተቓውሞ ደብዳበታት ቀጥታ ናብ ፕረዚደንት ኦባማ ናይ ምልኣኽ
ስጉምቲ‘ውን ጎድኒ ጎድኒ‘ቲ መኸተ ብመንእሰያትና ክካየድ ውዒሉ እዩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝብናን መንግስትናን ከም ዘሎና
ንምሕባርን ንምርግጋጽን ነብሲ ወከፍ ተቐማጣይ ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን €100.-
(ሚእቲ) ከዋጽእ ድሉው ምዃኑን ውጺኢት ናይ‘ቲ ብጀርመን ደረጃ ክዋጻእ ብሽማግለታት
ህዝባዊ መኸተ ተመዲቡ ዘሎ ሓሳብ ብምድጋፍ ድማ ከም መተካእታ ክቕበሎ ድሉው
ምዃኑ ብምሕባር ህዝባዊ መኸተ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ከም ወትሩ ብዉዕዉዕ ሃገራዊ
ወንን መንፈስን ተዛዚሙ።
ዓወት ንሓፋሽ
ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close