HABTE WELDESIMON (Ahatrick Man In The History of Tour Eritrea)

The history of Cycle in Eritrea
The history of Cycle in Eritrea

Eritrean Sport News: ሃብተ ወልደስምኦን (ቀይሕ ባሕሪ)

ተዓዋቲ ዓመታዊ ሻምፕዮን 2002

HABTE WELDESIMON (Ahatrick Man In The History of Tour Eritrea)

እስራኤል ኣብርሃም ብዓቐብ
ትምኒት ሓየሎም ካብ ደቀንስትዮ ተዓወትቲ ዝኾኑሉ ውድድር

ተቐዳዳማይ ሃብተ ወልደስምኦን ብ3 ሰነ 1982 ኣብ ቁሸት ተወሊዱ። ብልዑል ምትብባዕ ወላዲቱ ወይዘሮ ገነት ጎንጨ፣ ኣብ 1997 ኣብ ውድድር ማውንተይን ባይክ ውድድሩ ከም ዝፈለመ ዝገልጽ እቲ ተቐዳዳማይ፣ ኣብ 1998፣ ኣብ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል፣ ኣብ መደብ ማእከሎት ተመዝጊቡ ናይ ዳይኮርሶ ውድድሩ ፈሊሙ። ሒደት ሰናብቲ ብብሕቱ ድሕሪ ምውድዳሩ፣ ብኡ ንብኡ’ዩ ኣብ ኣዒንቲ መዋሊ ክለብ ቅድድም ብሽክለታ ቀይሕ ባሕሪ ኣትዩ። ሰለስተ ሰናብቲ ጥራይ ብውልቁ ድሕሪ ምጽዋቱ’ዩ ድማ፣ ማልያ’ታ ዓባይ ክለብ ክወዲ ዝበቕዐ። ኣድማዒ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ ማልያ ክለብ ኣስመራ ብምውዳይ ናብ ዓበይቲ ሰጊሩ። ምስታ ጋንታ ኮይኑ ኣብ ዓበይቲ ብዘርኣዮ ውድድር፣ ትስፉው መጻኢ ከም ዘለዎ ብግብሪ ኣርእዩ። ኣብ 1999፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ሻምፕዮን ዝተኻፈለ ሃብተ፣ ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ 7ይ ውድድር መላእ ኣፍሪቃ’ውን ተሳቲፉ’ዩ። 21 ጥቅምቲ 2001 ኣብ ከባቢ ጎደና ኣፍዓበት ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ውድድር ዘዋሪት ዋንጫ ዞባ ማእከል ንፈለማ ግዜ’ኡ ማልያ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ወድዩ ክወዳደር ዝጀመረ፣ ጎብለል ዙር ኤርትራ 2001፣ 2003ን 2004ን፣ ሻምፕዮን ዕዉት መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል 2002’ውን እዩ። በዚ ድማ ድሕሪ 2000 ክሳብ’ታ ካብ ኮረሻ ብሽክለታ ዝወረደላ ግዜ፣ ኣብ ጉዕዞ፣ ዓቐብን ቅጽበታዊ ውድድርን ብዘርኣዮ ሕሉፍ ብቕዓት፣ ንቕያ ዘበለ ተቐዳዳይ’ዩ ነይሩ። ካብዚ ተበጊሶም ድማ፣ እቲ ተቐዳዳማይ ብዘርእዮ ዝነበረ ዓብላሊ ዓወት፣ ምስቲ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ካብ ዝተኻየደ ውድድራት ሻምፕዮን 5 ግዜ ዘውዲ ዝደፍአ ነፍስሄር የማነ ተኸስተ ዘመሳሰሉዎ።

Habte Weldesimon On 8TH ALL AFRICAN GAMES LAGOS ‘NIGERIA’
ሃብተ ወልደስምኦን ኣብ 8ይ ውድድር መላእ ጸወታ ኣፍሪቃ 2003

The history of Cycle in Eritrea - 2

8ይ ውድድር መላእ ጸወታ ኣፍሪቃ ዘእንገደት ሃገር፣ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይጀርያ እያ።
ተቐዳደምቲ፣ ማቴዎስ ዘርኣይ፣ ሙሴ ተኽለኣብ፣ መርሃዊ የማነ፣ ኤፍሬም ተወልደ፣ ሜሮን ጳውሎስ፣ ኣማኑኤል እያሱን እስራኤል ኣብርሃምን ብኣሰልጠንቲ ኣቶ ደሳለኝ ነጋሽን ኣቶ ሳምሶን ሰሎሞንን ተመሪሖም ናብቲ ውድድር ዘምርሑ

14/10/2003 40 ኪ.ሜ ንምሽፋን፣ ኣብ ዝተኻየደ 1ይ ናይ ውድድር ግዜ 7ይን ኤፍሬም ተወልደ 8ይን ኮይኖም ውድድሮም ፈጺሞም።
16/10/2003, 150 ኪ.ሜ ኣብ ዝርሕቀቱ ውድድር (Road Race) Wididr Kaa
ሃብተ ወልደስምኦን – 7ይ
ኤፍሬም ተወልደ – መበል 11
ሙሴ ተኽለኣብ – መበል 15
ኣማኑኤል እያሱ – መበል 21
መርሃዊ የማነ – መበል 22
ማቴዎስ ዘርኣይ – መበል 24
ብምዃን ውድድሮም ፈጺሞም። በዚ ድማ፣ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር 3ይቲ ኮይና ውድድራ ፈጺማ።

The history of Cycle in Eritrea - 3

Bezin Kalien Abeyti Wididirat Embiza DemiKu Zikereb Habte Kaa ABti Amet Eti Mis Kendi Tekenakeniyu Efrem Tewelde(Adi Gombolo) Habiru Kaa Mis Holandawit Club Marcopolo Habiru Nay Miwididar Edil Bimirkabu Kaa Nay Proffiesional Guezou Feleme.

Ab Ewanu 240 K.m Rihket Ab Zinebero AB Germen Ab Etekayede Hayal Wididir Kaa Habte Beti Kendi Tehalalaki Lance Armstrong Zinebere Germenawi JAN ULRICH Nizitemekakelet Abay Gujile Mis Kebabi 40 Zikonu Hayalat Tekedademti Bishkileta Alemna Kihiz Mikalu Ab Ewanu Mezarebi Maekenat Ziena Koynu Zinebre Hayal Tekedadamday Eyu.

Entekone Eti Ab 2004 Ni Salsay Giziyu Bimiewat Goblel Zur Ertra Bimukuan Kibrewesen Zihaze Tekedadamay Abti Amet Eti Wididiru Akuaretse Emo. Mahder Tarik Kididim Bishkiletu-u Dima Abti Amet Eti Teatswe. EnteKone Abzi Gize Ezi Ewn Ab Norway Wididir Gemiru Alo Zibil Haberieta Bimirkabey nezi Tsihufey Ezi Kedalu Ki-ele Aloku Emo. Melsi Kab Habten Bitsotun Nitsibe.

Source “A Book Of Eritrean Cycling History Page 307-311″

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close