Eritrean National Agriculture Research Center in HalHale.

National Agriculture Research center was founded before the Independence of Eritrea. After 1994 the National Agriculture Research Center started to increase and develope new agriculture method for the purpose of “Food Security” in the new nation of Eritrea.

Read more in the following text in tigrigna…. If you can’t read the sign click here to download Geez Software: GeezLab.Com

ዝሕጉስ ዜና፣ (ኤርትራ) ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ – ሓልሓለ።

ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ክፍልታት ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ። እዚ ትካል’ዚ ቅድሚ ናጽነት ዝተደኰነ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ፲፱፻፺፬(1994) ስሩዕ ንጥፈታቱ ጀሚሩ። ዕላማ’ዚ ሃገራዊ ምርምር፡ እቶትን እቶታውነትን ሓረስታይ ኣዕቢኻ ውሕሰነት መግቢ ንምርግጋጽን ብእኡ ኣቢልካ ከኣ ኣብ ቁጠባ ሃገርና ቀረባት ምርግጋጽን እዩ።

ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ ብርክት ዝበሉ ምርምራትን መጽናዕትታትን ዘካይድ ናይ ምርምር ትካል’ዩ። ባህርያዊ ጸጋታት ሃገር ንምዕቃብን ንምምዕባልን፡ ምምሕያሽ ስርዓተ ማእቶት፡ ምትእትታው ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ትሕተ ቅርጽን ብዓቕሚ ሰብ ንምዕባይ ኣብ ዝብሉ ሓሙሽተ ጨናፍር መስርሕ ምርምራቱ የሰላስል።

እቶም ጨናፍር ቀዳማይ፡ ጀነቲካዊ ሃብቲ ሃገር ዝዕቅንን ዘማዕብልን ምርምር ዘካይድ፣ ካልኣይ፡ ምሕደራ ባህርያዊ ሃብቲ (ሓመድ፡ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ምፍዋስ ማይ ክዖታት) ዘጠቓልል ምርምር፣ ሳልሳይ፡ ምርምር ዘራእቲ (ኣሕምልቲን ፍረታትን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምክልኻል ቡቕሊ ዘተኰረ ምርምራት ዘካይድ)፣ ራብዓይ፡ ኣብ ምስሳን ሃብቲ እንስሳ ዘተኩር (ምርባሕ፡ ምድላው መግቢን ምክትታል ጥዕና እንስሳታትን) ኰይኑ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ኣሃዱታት ዝሓቁፍ ጨንፈር እዩ።

ሓሙሻይ ድማ ኣብ ሕርሻዊ ምህንድስና ኣተኲሩ ዝነጥፍ ምርምር’ዩ። እዞም ዝተጠቕሱ ናይ ምርምር ስርሓት፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ኣግሮ-ኢኮሎጂካል ከባቢታት ሃገርና ተኸፋፊሎም ምርምራዊ ንጥፈታት ይካየደሎም። ትካል ምርምራዊ ስርሓት ሕርሻ ሓልሓለ፡ ሓረስታይ ሃገርና ኣብ’ቶም ብብዝሒን ቀንዲን ዝጥቀመሎም ዓይነት ኣእካል፡ ጥረታት፡ ፍረታት፡ ኣሕምልትን ዓይነት ጥሪትን ምስ ባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ዝተኣሳሰር ሰለስተ ዓበይቲ ንቑጣታት – ኣብ ሓልሓለ፡ ጎልጅን ሽዕብን ሰፊሕ ምርምራቱ የካይድ።

ኣብ ሓልሓለ ንከበሳውን ሓውሲ ከበሳውን ዝውክል ሓረስታይ ዝጥቀመሎም ዓይነት ዘራእቲ – ስርናይ፡ ስገምን ዕፉንን፣ ካብ ዓይነታት ጥረታት ድማ ባልደንጓ፡ ዓተርን ዓይኒ ዓተርን፡ መጽናዕትን ምርምራትን ይካየድ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ሓደ ካብ ናይ ቅብኢ ኣዝርእቲ፡ ኣብ ሱፍ ምርምራዊ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ እውን ይነጥፍ ኣሎ። እተን ዝተረፋ ክልተ ነቑጣታት፡ ኣብ ምዕራባዊ ጎላጉል ጎልጅን ምብራቓዊ ጎላጉል ሽዕብን ዝርከባ ኰይነን፡ ሓረስቶት ልዑል ትኹረት ሂቦም ኣብ ዝዘርእዎ ፍረታትን ኣሕምልትን ብሓፈሻ፡ ኣብ መሸላን ብልቱግን ድማ ብፍላይ ዓሚቚ ምርምራት ዝካየደለን እየን።

ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ከባቢታት ብተወሳኺ ዋሕዲ ቀለብ እንስሳታት ስለ ዘሎ፡ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ እውን ምርምራት ይካየድ’ዩ። ብዘይካ’ዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ምርምር ነቑጣታት፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ – ኣብ ሻምብቆን ኣቑርደትን፣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ኣብ ሓጋዝ፣ ኣብ ዞባ ማእከል – ኣብ ኣፍደዩ፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ – ኣብ ጋሕቴላይ ተሓጋገዝቲ (ሳትላይታት) ናይ ምርምር ትካላት ተደኲነን ይርከባ።

ኣብ ኩለን’ዘን ዝተጠቕሳ ዓበይትን ንኣሽቱን ምርምር ዝካየደለን ነቑጣታት፡ ኣስታት ፻፵(140) ክኢላታት ተመዲቦም ይሰርሑ ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም 17 ማስተርስ ዲግሪ፡ ልዕሊ ፷(60) ቀዳማይ ዲግሪ፡ ዝተረፉ ድማ ናይ ዲፕሎማን ሰርቲ ፊኬትን መዓርግ ዘለዎም ምዃኖም፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሃገራዊ ምርምር ሕርሻ፡ ዶክተር ኢያሱ ገብረታትዮስ ይሕብር። ኣብ ዓይነታት ኣዝርእቲ፡ ፍረታት፡ ኣሕምልትን ጥረታትን ከምኡ ድማ ኣብ እንስሳታት ዝካየድ ምርምር ብኸመይ ከም ዝግምገም ንዶክተር ኢያሱ ሕቶ ኣቕሪብናሉ ኔርና።

ዶክተር ኢያሱ ኣብ መልሱ፡ ምርምር ዝግበረሎም ኣእካል፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ምስ ኵነታት ክሊማ ሃገርና ብምዝማድ፡ ተጻዋርነቶም ኣብ ክሊማዊ ለውጥን ኣብ ተጓዳእቲ ሕማማትን፡ ካብኦም ዝርከብ መጠን እትዋት ተራእዩን ተገምጊሙን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕሉ ኣረዲኡ። ምርምራዊ ስርሓት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዕዮ ብዝምልከት ከኣ፡ እቲ ሃገራዊ ትካል ዝጥቀመሎም ኣገባባት ከም ዘለውዎን፡ ሓደ ካብኣቶም ጽገናዊ ምርምር (maintenance research) ምዃኑ ኣነጺሩ።

እዚ ናይ ምርምር ትካል፡ ዝተጸንዑ ወይ ዝተመሓየሹ ኢሉ ኣሚኑ ዘምጽኦም ኣዝርእቲ፡ ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ጥረታትን ኣብ ሃገርና ምስ ኣተዉ፡ ናይ ምድብላቕ ባህርያቶም ንምጽናዕን ንምልላይን ምርምር ኣብ ዝግበረሎም እዋን፡ ምስ ሓረስቶት ሃገርና ብምትሕብባር ከም ዘሰላስሎን ቀንዲ ዕላማ’ቲ ጽገናዊ ምርምር ወይ መጽናዕቲ ከኣ፡ ነቶም ዝተዳቐሉ ኣዝርእቲ፡ ኣሕምልቲ፡ ጥረታትን ፍረታትን ናብ መበቈላውነቶም ንምምላስ ዝዓለመ ምዃኑ ኣነጺሩ። ነዚ ንምትግባር፡ ክልተ ኣገባባት ምርምራት ከም ዝኽተል’ውን ዶክተር ኢያሱ የነጽር።

ካብ ጂም ባንክ ዘርኢ ብምውጻእ ምብዛሕ፡ ወይ ከኣ ካብ ሓረስቶት እኽሊ ወሲድካ ምዝራእ ምዃኖም ድማ ይጠቅስ። ካልእ ኣብ መስርሕ ምርምር፡ ኣፕላይድ (Applied)፡ ምርዓምን (Adoptive) ሓረስቶት ዘማእከለ ሕርሻዊ ምርምርን ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰለስተ ኣገባባት ኣለዉ። ኣብ’ቲ ኣፕላይድ (Applied) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገባብ ምርምር፡ መስርሕ ምድቓል ዝካየደሉ’ዩ። ኣብቲ ምርዓም ዝተባህለ ምርምር ድማ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብኣህጉራውያን ናይ ምርምር ትካላት ምርመራ ተኻይዱ፡ ውጽኢቱ ናብ ሃገርና ዝመጽእ’ዩ። በዚ ምርምር’ዚ ዝርከብ ውጽኢት፡ ነዊሕን ከቢድን ጻዕሪ ተመራመርቲ ዝሓትት ስራሕ’ዩ።

ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ በዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ኣገባብ ዝተረኽበ ውጽኢት ንፈተነ ተባሂሉ ካብ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ይቐርበሉ። እቲ ሳልሳይ ኣገባብ፡ ሓረስቶት ዘማእከለ ምርምር’ዩ። እዚ ተሳትፎ ሓረስቶት ኣማእኪሉ ዝግበር ፈተነ ወይ ምርምር’ዚ፡ ካብ ፈለማ ውጥን ክሳብ መስርሕ ምድቓል ዝጸንሕ ምርምር’ዩ። እዞም ዝኣትዉ ኣዝርእቲ፡ ብቐዳምነት ሓረስቶት’ዮም ከም ዝፈልጥዎምን ከም ዝላለይዎምን ዝግበር።

እዚ፡ ሓረስቶት ኣብ ሕርሻኦም ዘሪኦም ኣድላዪ ምክትታል ብምግባር፡ እቶታውነቶም ፈሊጦም ገምጋም ክህቡ ተባሂሉ ዝግበር ስራሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቐዲሙ ብምርምራዊ ኣገባብ ዝተረኽበ ውጽኢት ብሓባር ተራእዩ ዝሓሸ ተወሲዱ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የነጽር።

ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዝነጥፍ ትካል ከም ምዃኑ መጠን ብሚኒስትሪ ሕርሻ ተማእኪሉ ዝሰርሕ’ዩ። ኣብ’ቲ ትካል፡ እቲ ብመርመራ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ናብ ክፍሊ ኤክስተንሽን እቲ ሚኒስትሪ’ዩ ዝለኣኽ። ክፍሊ ኤክስተንሽን ብግዲኡ ናብ ሓረስቶት ብምዕዳል ይዝርግሖም።

ካብ ሓረስቶትን ብገዛእ ርእሱ ፈቲኑ ዝረኸቦ ውጽኢትን ገምጊሙ ድማ፡ ደጊሙ ናብ’ቲ ትካል ይመልሶ። ብኸምዚ ሃገራዊ ትካል ብምርምር ዘማዕበሎም ዓይነታት ኣእካል፡ ኣብ ኢድ ሓረስቶት በጺሖም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ብዙሓት እዮም። ኣብ’ዚ እዋን፡ እቲ ናይ ምርምር ትካል፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኩሎም ዓይነታት ኣእካል፡ ጥረታት፡ እንስሳታት፡ ኣሕምልቲን ፍረታትን ሰፊሕ ምርምራቱ የካይድ እንተሎ፡ ቀዳምነት ዝሃቦ ግና ኣብ ስርናይን ድንሽን ዝካየድ ምርምር ምዃኑ ዶክተር ኢያሱ ወሲኹ ይሕብር።

ስርናይ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ከበሳ ካብ ዝዝርኡ ዓይነታት ኣእካል ሓደ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ሓደ ሄክታር 10 ኵንታል ዝርከብ ዝነበረ፡ ኣብ’ዚ እዋን ብሳላ ዘይሕለል ጻዕሪ ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ 50 ኵንታል ንምሕፋስ ዘኽእል ዝሓሸ ዓይነት ዘርኢ ተኣታትዩ’ሎ። በዚ መንጽር’ዚ ዘራእቲ ስርናይ ኣብ ከበሳ ጥራይ ተደሪቱ ኣብ ክንዲ ዝተርፍ፡ ኣብ መታሕትን ቆላታትን ሃገርና ዝዝርኣሉ ኣገባባት ተፈጢሩ ምህላዉ ይሕበር።

ኣብ ዘርኢ ድንሽን’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ሓደ ሄክታር ኣስታት 100 ኵንታል ዝርከብ ዝነበረ፡ ዝሓሸ ዓይነት ዘርኢ ተዳልዩ ስለ ዘሎ ናብ 350 ኵንታል ክብ ንምባሉ ይስራሓሉ ኣሎ። ምርምር ሕርሻ ድሕሪ ነዊሕን ከቢድን ጻዕሪ’ዩ ውጽኢቱ ዝግምገም። ኣብ ሃገርና ዛጊት ብዝተኻየደን ብዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምርምርን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣዝርእቲ፡ ፍረታት፡ ኣሕምልትን ጥሪትን ዝሓሸ ውጽኢት ተረኺብዎም ኣሎ።

እዚ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ዝካየድ ዘሎ ምርምር፡ ጠለብ ህዝቢ የማልእን ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገርና ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብርን ኣሎዶ? ንዝብል ሕቶ ዶክተር ኢያሱ ክምልስ እንከሎ፡ “እወ ኢልካ ደፊርካ ዝዝረበሉ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ግን ክከሓድ ኣይግባእን፡” ብምባል’ዩ መልሱ ሂቡ። ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓውደ ምርምር ዝነጥፉ ብዙሓት ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኣለዋኦ። ገለ ካብአን ኢክሪሳት፡ ኢካርዳ፡ ሲሚትን ሲፕን ንምጥቃስ ይከኣል።

ኣህጉራዊ ምርምር ኢክሪሳት፡ መደበሩ ኣብ ህንዲ ኰይኑ ዝተማሓየሹ ምህርቲ ክህቡ ኣብ ዝኽእሉ ዓይነት ኣዝርእቲ መሸላ፡ ብልቱግን ጥረታትን ኣተኲሩ ምርምራቱ ዘካይድ ትካል’ዩ። ኢካርዳ ድማ ኣብ ፈለማ መደበሩ ኣብ ሶርያ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ዖማን ዝርከብ ዘሎ’ዩ። ምርምራዊ ንጥፈታት እዚ ትካል’ዚ፡ ኣብ ድሩቕ ቦታታት ስርናይ፡ ስገምን፡ ካብ ጥረታት ድማ ኣብ ዓተርን ካልኦትን ምርምር ወይ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል’ዩ። ኣህጉራዊ ምርምር ትካል ስሚት እውን መደበሩ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ መክሲኮ’ዩ።

እዚ ናይ ምርምር ትካል’ዚ፡ ኣብ ስርናይን ዑፉንን’ዩ ምርምራዊ ስርሓቱ ዘካይድ። ሲፕ፡ ኣብ ድንሽን ምቁር ድንሽን ኣተኲሩ ምርምር ዘካይድ ክኸውን እንከሎ ቀንዲ መደበሩ ፔሩ እዩ። ኣብ ኬንያ ድማ ጨንፈር ኣለዎ። ሃገራዊ ትካል ምርምር ሕርሻ ሃገርና፡ ኣቐዲሞም ኣብ ዝተጠቕሱ ዓይነታት ኣዝርእትን ጥረታትን ዝገብሮ ዘሎ ምርምር፡ ምስ ኣህጉራውያን ናይ ምርምር ትካላት ሳይንሳውን ካልእ ንምርምር ዘገድሱን ሓበሬታታት ይለዋወጥ።

ትካል ሃገራዊ ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ፡ ሰፊሕ ኣይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምስ ሕርሻዊ ንጥፈታት ምትእስሳር ዘለዎ ትካል ሕርሻ ምርምር ኣየርላንድ፡ ምርምራዊ ስርሓት ንምክያድ፡ ኣብ ዘርኢ ድንሽን ናይ ጸባ ከብቲን ድሮ መስርሕ ምርምር ተጀሚሩ ከም ዘሎ መግለጺ ዶክተር ኢያሱ የረጋግጽ። ኣብ ትካላት ሃገራዊ ምርምር ሕርሻ፡ ምርምር ዝካየደለን ሓሙሽተ ላባራቶሪታት ኣለዋ። እዘን ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከባ ላባራቶሪታት፡ ኣብ መስርሕ ብልሽት ምስ ዘጋጥመን፡ ኣብ እዋኑ መቀያየሪ ኣቑሑን ዝጽግን ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን የድልየን።

ይኹን እምበር እዚ ዝተማልአ ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ ሕጽረት ባጀት፡ ጸዓት፡ ሎጀስቲክን ኣገልግሎት ኢንተርነትን’ውን ቀንዲ ብድሆታት እቲ ሃገራዊ ትካል ምዃኖም ዶክተር ኢያሱ ይሕብር። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሃገራዊ ምርምር ሕርሻ ሓለሓለ ዶክተር ኢያሱ ገብረታትዮስ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ስትራተጂያዊ ውጥን ተዳልዩ ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ ዓይነታት ኣዝርእቲ፡ ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ጥሪትን ምርምራዊ ፈተነታት ክካየድ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ይሕብር። 

Source: ሓዳስ ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *