Tigrinya news: ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣብነታዊ ሓረስታይ ሸሊሙ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣብነታዊ ሓረስታይ ሸሊሙ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ ንልዕሊ 40 ዓመታት ብተበግሶኡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ንዝነጠፈ ኣብነታዊ ሓረስታይ ኣቶ ገብረሚካኤል ገብረመስቀልን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ጽገ ንጉሰን ብገንዘብን ንዋትን ኣተባቢዑ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጠፋ ኑርሕሴን ብስም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ዋጋ ፍርቂ ሚልዮን መኪና። 500 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ። ዋጋ 100 ሽሕ ናቕፋ ናውቲ ሕርሻን ንመስርሒ ገዛ ዝውዕል መሬት ኣብ ውሽጢ ከተማ ድባርዋን ነቲ ኣብነታዊ ሓረስታይ ድሕሪ ምርካብ። ምትብባዕ ህርኩታት ዜጋታት ዝጸንሐ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ምዃኑ ገሊጹ፣ ካልኦት ሓረስቶት ኣብነት ናይ’ዚ ጻዕራም ሓረስታይ  ብምስዓብ እቶታውነቶም ከበርክቱ ድማ ጸዊዑ፣ ኣማሓዳሪት ንኡስ ዞባ ድባርዋ ወይዘሮ ልኡል ኣስራት ብወገና። እቲ ኣብነታዊ ሓረስታይ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓደብዛገ ካብ ፍርያምነት በዂሩ ንዝነበረ 100 ሄክታር ብጻዕሩ ናብ ምቹእ ናይ ሕርሻ ሬት ከምዝቐየሮ ጠቒሳ። “ኣቶ ገብረሚካኤል። ሕማቕ ሰብ’ምበር ሕማቕ መሬት የለን ንዝብል ኣዘራርባ ብግብሪ ዘረጋገጸ ኣብነታዊ ሓረስታይ’ዩ” ክትብል። ጻዕሩ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ኣዘኻኺራ፣ “ምትብባዕ ኣቶ ገብረሚካኤል ሓበን ንኹላትና’ዩ” ዝበሉ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓደብዛገ። ድሮ ኣብነቱ ብምኽታል ግራውቶም ኣብ ምምድማድ።

ምዝላይን ምግራብን ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም፣ ኣቶ ገብረሚካኤል ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምቕባል ኣብ ዝሃቦ ቃል። “ዕረፍቲ ዉጽኢት ጻዕርኻ ምርኣይ’ምበር ካብ ዕዮ ምብኳር ስለዘይኮነ። ዓይኒ ብርከይ ክሳብ ዘሎ ጻዕረይ ብተዓጻጻፊ ከዛይዶ’የ” ክብል ኣረጋጊጹ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2010 ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝገበሮ ዑደት። ንዕዮ ኣብነታዊ ሓረስታይ ኣቶ ገብረሚካኤል ገብረመስቀል ብምዕዛብ ኣድናቖቱ ድሕሪ ምግላጽ። ዘድሊ ደገፍ ክግበረሉ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ፣

Eritrean PIA awards good farming
Eritrean PIA awards good farming

Source: shabait.com – Haddas Ertra

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close