US Embassy Opens in Asmara – Non Immigrant Visa – VOA

Eritrean Tigrinya news:

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ዳግም ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ጀሚሩ

እቲ ዝውሃብ ቪዛ ግን ንበጻሕቲ`ምበር ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ንዝደልዩ ኣይኮነን

Matthew Petit ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሚንስትሪ ወጻኢ ዩ.ኤስ ሓላፊ ሰደቓ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን`ዩ።
United Staates of America - Embassy
“ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኢምባሲ U.S ንኤርትራውያንን ኣብ`ታ ሃገር ንዝነብሩ ኻልኦትን፡ Non-Immigrant Visa ክህብ ክኢሉ`ሎ” ይብል ንሱ።

እቲ ቪዛ ዝውሃብ በጻሕቲ፡ ሰብ-ቢዝነስ፡ ንሕክምና ዝደልዩ፡ ተመሃሮ ከምኡ`ውን ብመንግስታዊ ስራሕ ዝመጹ ምዃኖም`ውን ዘርዚሩ`ሎ።

ስለምንታይ ኣብዚ እዋን ክጅመር ክኢሉ ንዝብል ሕቶ “ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ሓዲሽ ቆንስል ስርሑ ስለ ዝጀመረ ግዚያዊ ቪዛ ዳግም ክንጅምር ክኢልና….እቲ ምኽንያት ናይ ሰራሕተኛ ምምዳብ ጉዳይ`ዩ” ኢሉ።

ኣተሓሒዙ “ንህዝቢ ኤርትራ እዚ ዕድል ኣገልግሎት ቪዛ ክነቕርበሉ ምኽኣልና ኣዚና ሕጉሳት ኢና” ኢሉ።

Immigrant Visa ግን ሕጂ`ውን ኣብ ናይሮቢ ወይ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ኢምባሲታት ዩ.ኤስ ኣቢሉ ከምዝሳለጥ ኣዘኻኺሩ`ሎ ማት ፐቲት።

ነቲ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

ንምሉእ ሓበረታ ድማ ኣድራሻ ነዚ ዝስዕብ ኢምባሲ ኣመሪካ ተወከሱ፡ http://eritrea.usembassy.gov/non-immigrant_visas.html

Source: http://tigrigna.voanews.com/content/eritrea-us-embassy/1649823.html?utm_source=dlvr.it&utm_medium=facebook

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close