VOA – ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ይበጋገስ ኣሎ-UN

Eritrean Audio Tigrigna Interview: The government of Eritrea meeting with the UN Delegation.

ስምምዕ መስርሕ ምትሕብባር ስትራተጂያዊ ሽርክና ድሕሪ ምፍራሙ ርክብ ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ ኤርትራን እናተመሓየሸ ይኸድ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢለን ሓንቲ ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ሕቡራት መንግስታት

Eritrea UN Delegation ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋሃዲት ሰብኣዊ ጉዳያት ክስርስቲን ኡሙቶኒ: ሓደ ዝለዓለ ኣባል ልኡኽ ጉጅለ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ማዕልታት ዑደት ብምፍፃም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቡ እየን ነዚ ዝገለፃ።

እቲ ብዓብዱላየ ማር ዲየ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት፣ኣብ ኣፍሪካ ዳይረክተ ዞባዊ ቢሮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት/UNDP/ ኣቦ መንበር ጉጅለ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ዝምራሕ ሽዱሽተ ዞባዊ ዳይረክተራት UNDP፣ UNICEF፣UNFPA፣ ILO፣ IOMን and WFPን ዝሓቖፈ እዩ።

ክሪስቲን ኡሙቶኒ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፅኦ እቲ ልኡኽ ንናይታ ሃገር ኣጀንዳ ዘላቒ ልምዓት ንምሕጋዝ መስርሕ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ዝጠናኸረሉ ኣገባብ ምስ ሰበስልጣን ተዘራሪቡ’ሎ። “እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡ እታ ሃገር ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ልማዓት ኣጀንዳኣ ንምዕዋት ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ምትሕብባራት ንምጥንኻርን ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ ጉዕዞ ሓገዝ ንምግባር ድልዊ ምዃኑ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምርግጋፅን እዩ።”

ንሰን ብምውሳኽ ርእሰ- ሙርከሳን መንገዲ ልምዓትን ንዝብል ራእይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምህናፅ ምስ ቁልፊ ትካላትን መሻርኽቲ ልምዓትን ብምዝርራብ ሕቡራት መንግስታት ንመንግስቲ ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምጥንኻርን ንምዕማቕን ዝከኣለሉ እውን ምዝርራቡ ሓቢረን።
ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ ኤርትራን ስምምዕ መስርሕ ምትሕብባር ስትራተጂያዊ ሽርክነት ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን እቲ ርክብ ምምሕያሹ ዘርኢ እዩ ምስ በላ ናይ ሕዚ ብዝለዓለ ደረጃ ዝምራሕ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ናብ ኤርትራ ምምፅኡ እውን ነዚ ዘጠናኽር እዩ ኢለን።

ኤርትራ ንናይ ሱማሊያ ናዕበኛታት ትሕግዝ እያ ብዝብል ኽሲ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊኣ ማዕቐባት ምንባሩ ይዝከር።ኤርትራ ነቲ ናይ ሕዚ መንግስቲ ሱማሊያ ኣፍልጦ ሂባቶ እያ።መንግስቲ ኤርትራ ንፅምዶ ድልየት ከምዘለዎ ምዕዛበን እውን ይገልፃ።

መንግስቲ ኤርትራን እቲ ጉጅለ ልኡኽን ኣብ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጉዳያት ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ዕድል ዝፈጠረ እንተኾይኑ ተሓቲተን “ከም ናይ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ጉጅለ እቲ ልኡኽ ብቐንድነት ኣብ ልምዓታዊ ምትሕብባር ዘተኮረ እዩ።መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ክረክብ ከሎ ናይታ ሃገር ኩነታት ንልኡኻት ሓበሬታ ንምሃብ እውን ይጥቀመሉ እዩ።እንተኾነ እዚ ጉጅለ ልኡኽ እዚ ብፍላይ ግን ብዛዕባ ናይ ልምዓት ምትሕብባር ክዘራረብ እዩ መፂኡ” ኢለን።

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽ ብዛዕባ ምዕዋት ሸቶታት ልምዓት ሚሊኒየም ማለት እውን ኣብ ጉዳይ ድኽነት፣ትምህርቲትን ከባቢያዊ ሓለዋን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምዝርራቡ ገሊፀን ኣለዋ እተን ኣተሓባባሪት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ።

– VOA

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close