ማራቶን ኣስመራ ተኻይዱ ተስፋማርያም ክፍለማርያም ተዓዊቱ – Tesfamariam Kiflemariam Is The Winner Of Eritrean Independence Asmara Maraton

ብቕድሚ ትማሊ፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 26 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ውድድር ማራቶን ኣስመራ ብዓወት ተስፋማርያም ክፍለማርያም ተዛዚሙ፣ ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ዝተኻየደ ውድድር፡ 74 ደቂ ተባዕትዮ ኣትለታት እዮም ኣብ መበገሲ መስመር ዝተረኽቡ፣

ብውልቁ ዝተወዳደረ ኣትለት ተስፋማርያም ክፍለማርያም ነቲ ናይ 42 ኪሎሜተር ውድድር ብኽልተ ሰዓትን 20 ደቓይቕን ብምዝዛም እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ፣

ኣብቲ ኣቀላጠፍቲ (ፔስሜከርስ) ዝተሳተፍዎ ውድድር ብዘይ ተቓጻጺ ንመዛዘሚ ሕንጻጽ ዝረገጸ ተስፋማርያም፡ በቲ ዓወት ተሸላሚ 50,000 ናቕፋን ኮይኑ፣

ብ2ሰ፡21ደ፡26ካ ውድድሩ ዝፈጸመ ተኽለብርሃን እስቲፋኖስ ካብ ዞባ ማእከል ድማ ካልኣይ ብምውጽኡ ተሸላሚ 30,000 ናቕፋ ኮይኑ፣

ፍቓዱ ገብረዝጊ – ማእከል ድማ ነቲ ውድድር ብ2፡23፡25 ብምዝዛሙ 20,000 ናቕፋ ተዋሂቡ፣ ሰለስቲኦም ዕዉታት፡ ብዘይካ እቲ ዝተወሃቦም ናይ ገንዘብ ጉንዖ፡ ካብ መገዲ ኣየር ቱርኪ ንዝተወፈየሎም ትኬት እውን ተቐቢሎም፣

4ይ ቃልኣብ ሰለሙን – ማእከል ብ 2ሰዓት 24ደቒቕ ራብዓይ ብምውጽኡ ተሸላሚ 15 ሽሕ ናቕፋ

5ይ ጠዓመ ሃብተ – ማእከል ብ2 ሰዓትን፡ 24 ደቓይቕን ተሸላሚ 12 ሽሕ ናቕፋ 6ይ ነጋሲ በለጸ – ማእከል ብ2 ሰዓትን 24 ደቒቕ ተሸላሚ 10 ሽሕ ናቕፋ 7ይ መሓሪ መስፍን ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብ2 ሰዓትን 24 ደቒቕ 56 ካልኢትን ተሸላሚ 8 ሽሕ ናቕፋ

8ይ ካሕሳይ ኪዳነ ካብ ማእከል ብ2 ሰዓትን 25 ደቒቕ ተሸላሚ 6 ሽሕ ናቕፋ

9ይ ገብርሂወት ኣረፋይነ ካብ ማእከል ብ2 ሰዓትን 29 ደቒቕ 24 ካልኢትን ተሸላሚ 4 ሽሕ ናቕፋ ከምኡ ድማ

10ይ ሃይለ ደባስ ካብ ማእከል ብ 2 ሰዓትን 29 ደቒቕን 29 ካልኢትን ተሸላሚ 2 ሽሕ ናቕፋ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዕለት ክልተ ኣትለታት ጥራይ ዝተሳተፋሉ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ እውን ተኻይዱ ነይሩ’ዩ፣

ኣትለት ዞባ ማእከል – ኮኾብ ተስፋጋብር ነቲ ርሕቀት ብ2 ሰዓትን 51 ደቒቕን 51 ካልኢትን ብምፍጻማ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ፣ ኮኾብ፡ ቅድሚ 2 ሰዓትን 55 ደቒቕ (ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ዘውጽኦ) ንውድድራ ብምፍጻማ እውን ካብቲ ፈደረሽን ጉንዖ ክትረክብ ክኢላ እያ፣ ቤተልሄም ኣማኑኤል ብ3 ሰዓትን 27 ደቒቕን ካልአይቲ ኮይና ውድድራ ዝፈጸመት ኣትለት እያ፣ ብጋንታ ዞባ ማእከል ጎብለል ኮይና ዋንጫ ተሸሊማ፣ ዕዉታት ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት፡ ኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕን ተቐቢሎም፣ ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ረፍዲ ውድድር ማስ ስፖርት ተኻይዱ ነይሩ’ዩ፣ እቲ መደብ ብርክት ንዝበሉ ተመሃሮ ዘሳተፈ ብምንባሩ ኣዝዩ ድሙቕ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ፣

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Exit mobile version

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close