ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣዱሊስ ዑደት ብምክያድ ጸሎት ኣብጺሖም!

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣዱሊስ ዑደት ብምክያድ ጸሎት ኣብጺሖም!

Share Eritrea Chat:

ዓርቢ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (28/10/2022) ብጳጳስ ሃገረ ስብከትታት ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ ብፁዕ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ዝተመርሐ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ብፁዕ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፁዕ ኣቡን ዳንኤል ከምኡ’ውን ካልኦት ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዝተሳተፍዎ ዑደት ኣብ ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ዑደት ኣካይዶም።

ከም ኣካል ምኅያል ኤኮሜናያዊን ታሪኻዊን ዝምድና ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩ ሊቀ ጳጳስ ዳንኤል፡ ከም መቐጸልታኡ ብብፁዓን ጳጳሳት ኤርትራ ተሰንዮም ኣዱሊስ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ብኃለፍቲ ቤተ መዘክር (ሙዚየም) ዞባዊ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽን ኣገዳስነትን ኣዱሊስ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂብዎም።

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ቀጻሊ ኩዕታ ዝካየደሉን ኣብ ዝተቐራረበ ርሕቀት ጥንታዊ መሠረትን መናድቕን ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያናት ጐሊሖም ኣብ ዝወፅኡሉ ስፍራ ተረኺቦም እናተዘዋወሩ ኣብ ዝተዓዘቡሉ እዋን፣ ኣዱሊስ ክሳብ ክንደይ ዓለም ለኻዊ ቦታ ንግድን ባዕላዊ ንግሥነትን ጥራይ ዘይኮነት፡ መንበርን ማእከልን ጥንታዊ ክርስትና ምንባራ ዘመልክት ምዃኑ ብንጹር ዘመልክት እዩ ኢሎም። ኣብ ባይታ ዝረአን ብወገን ሰብ ሞያ ዝተዋህበን መግለጺ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ዘራጉድ ምዃኑ ገሊጾም። ስፍሓትን ከምኡ’ውን ምዕቡል ቅዲ ሕንፃ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት’ውን ንዝነበረ ልዑል ሥልጣነ ኣብ ርእሲ ምምልካቱ፡ ኣብቲ ጥንታዊ ዘመነ ክርስትና ንዝነበረ ዓለም ለኻዊ ደረጃን ጥንታዊ ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ብዘማልአ ኣገባብ ዝተሓንፁ ምንባሮም ብንጹር ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም። ምስ ትውፊትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝሰማማዕ ቅርስታትን ኣሠረ ጥንትን ምዕዛቦም ከምዘሐጐሶም ገሊጾም። ብተወሳኺ’ውን እተን ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ብዝኂ ንዝነበሩ ኣገልገልትን ኣመንትን እታ ከተማ ዘመልክት ኣቃውማ ከምዘለዎም ዘአንፍታ ምዃነን ብሰብ ሞያ መግለጺ ተዋሂብዎ።

ብፁዓን ጳጳሳት ንዅለን ኣብያተ ክርስቲያናት እናተዘዋወሩ ድኅሪ ምምልካት ድማ፡ ኣብ መቅደስ ኣሠረ ጥንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ደው ኢሎም ጸሎቶም ናብ ልዑል ፈጣሪ ኣብጺሖም። ብወገን ኣቡን ዳንኤል’ውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣሠር ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብፁዓን ጳጳሳት ነቶም ዝቐደሙ ኣበውን ኣመንትን ብምዝካር፡ ኣብቲ ቦታ ንዝቐረበን ንዝዓረገን መሥዋዕቲ ብምዝካር ኣብ ዓመት ሓንሳብ ቅዳሴ ምሥራዕ ሥርዓት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ዕድል ብምርካቦም ንቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣመስጊኖም።

ከምኡ ውን ብዕለት 20 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም (30/10/22) ኣብቲ ሰፊሕ ኣገልግሎት ዝህብ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ዝርከብ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተሓንፀን ዝቖመን ቤተ መዘክር ብምብጻሕ፡ ንጥንታዊ ባህልን ታሪኽን ኣሠረ ጥንትን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ውን ንተጋድሎ ሕዝበ ኤርትራ ንናጽነት ዘመልክቱ ሓሙሽተ ክፍልታት ዘለዎ ቅርስታት፡ ኣሣዕል፡ ወዘተ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፤ ብዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ናይቲ ቤተ መዘክር ድማ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ኣዱሊስን ቤተ መዝክር ዞባን ስለቲ ዝተገብረሎም ገለጻ ብምምስጋን፡ ኣብ ሥራሖም ዓወትን ኣሳልጦን ክረኽቡ ጸሎትን ቡራኬን ሂቦሞም። ኵሉ ዜጋ ድማ ጥንታዊ ታሪኹን መንነቱን ብዝግባእ ክፈልጥ፡ ከም ኣዱሊስ ኣብ ዝኣመሰሉ ጥንታውያን መካናት ክበጽሕን ክላለን ድማ ተላብዮም።

ጥንታዊት ወደባዊት ከተማ ኣዱሊስ ካብ ዘመነ ኦሪት ክሳብ ዘመነ ሓዲስ 7ይ ክፍለ ዘመን ንኣሽሓት ዓመታት ዝተሰናሰለ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋን፡ ጌና ዘይተተንከፈ ኣብ ከርሠ ምድራ ብዙኅ ቅርስታት ሓቚፋ እትርከብ ከተማ እያ። ከም ማእከል ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ህንድን ኣህጉረ ኤስያን ርሑቕ ምብራቕን ይርከቡ ምስ ዝነበሩ ጥንታውያን ሃገራትን ሥልጣነታትን ጥቡቕ ዝምድና ዝነበራ ጥንታዊት ወደብ ሃገርና ኮይና ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣትኂዙ ብንግድን ካልእን ምኽንያት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ዝነበሩ ክርስቲያናት ምስ ደቂ ዓዲ ብምዃን ጸሎቶም ዘዕርጉላ ኣብያተ ጸሎትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ተሓኒፆም ዝነበሩላ መንበሪ ጳጳስ ዝነበራ፡ መካነ ክርስቲያን ምንባራ ታሪኻዊን ቅርሳዊን መርትዖታት ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ።

https://www.lisantewahdo.org/…/1484-2022-11-01-10-00-18

Christian