እንካዕ ናብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብሰላም ኣብጽሐና

እንካዕ ናብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብሰላም ኣብጽሐና

Share Eritrea Chat:

ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. ፲፥፳፩(10፡21)

ቅዱስ ሚካኤል – ሳትናኤል – ኤል ዝጎደሎ ሳታን

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ ፩፥፱ / 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. ፲፥፪-፲ / 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘መን ከም እግዚአብሔር’ ማለት እዩ፡ ከምኡ ውን ‘ሚካኤል’ ብሂል ዕፁብ ማለት እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ዲያብሎስ ብትዕቢት ኣምላኽነት ደልዩ፡ ኣብ ሞንጎ መላእኽቲ ህውከት ምስ ኣለዓዓለ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ መራሒ ኮይኑ ንዲያብሎስ ዝተዋግኦ ጽኑዕ ኃያል መልኣኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኦም ኣጥፍኡ። (ራእ. ዮሓ. ፲፪፥ ፯ / 12፡7)

ቕዱስ ሚካኤል – Kidus Mikael / Kidus Michael – Sathnael

ቅዱስ ሚካኤል ስለ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝከራኸር መልኣኽ እዩ። ዲያብሎስ ናይ ሙሴ መቃብር ንእስራኤላውያን ኣርእዩ፡ ኣምልኮተ ባዕድ ንኽፍጽሙ ንምምሃር ኣብ ዝተንሥኣሉ ጊዜ ዝተኸራኸሮን፡ ንእስራኤላውያን ንምውፃእ ዝሕግዞም ዝነበረን ቅዱስ ሚካኤል እዩ። (ዳን. ፲፥፲፫-፳፩ / 10፥13-21) ኣብ መወዳእታ ዘመን’ውን ካብ ጥፍኣት ሓሳዌ መሢሕ ዘድኅኖም ንሱ እዩ። (ዳን. ፲፪፥፩ / 12፡1) ‘ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ’ ብምባል ነቢይ ዳንኤል ዝገለጾ፡ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝራድኦም ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። (ዳን. ፲፥፲፫ / 10፥13)

ቅዱስ ሚካኤል ካብ ጥንታዊ መጽሓፋት ቤተክርስቲያን

ንእስራኤላውያን ዝመርሐ (ዘፀ. 14፥9)፣ መንደቅ ኢያሪኮ ንከፍርሱ ዝሓገዘ (ኢያሱ ፫፥፲፭ / 3፥15)፣ እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ኣብ ዝበደልሉን ዝተማረኹሉን ጊዜ ምእንቲኦም ዘማለደን ምሕረት ዘውሃበን (ዘካ. ፩፥፲፪ / 1፥12)፣ ንኢያሱ ዝሓለወን ምእንቲኡ’ውን ዝተኸራኸረ (ዘካ. 3፡1)፣ ንእስራኤላውያን ሕጊ ሂቡ፡ ምስኦም ኣብ ሲና ዝነበረ (ግብ.ሐዋ. ፯፥፴፰ / 7፡38) ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ናይ ሶምሶን ምውላድ ንማኑኄ ዘበሠረ (መሳ. ፲፫፥፲፭ / 13፥15)፣ ንእስራኤላውያን ከጥፍእ ዝመጽአ ፲፹፭፼/ 185,000 ናይ ኣሶራውያን ሠራዊት ዝቐተለ (፪ይ ነገ. 19፥35-37)፣ ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ብምርካቡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስቲ ንዝተደርበየ ነቢይ ዳንኤል ዚኸውን ስንቂ ኣትኂዙ ንነቢይ ዕንባቆም ክሳብ ባቢሎን ዘብጽሐ (ተረፈ ዳን. 13፡35-38) ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ቅዱስ ሚካኤል

ኣብ ዕለተ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቲ መቓብር እምኒ ገምጢሉ ንማርያም መግደላዊት ዝተራእየ (ማቴ 28፥2)፣ ንሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ናይ ሄሮድስ ቤት ማእሠርቲ ዘውፅአ (ግብ. 12፡11)፣ ነቲ ብልቡ ንእግዚአብሔር ዝደሊ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ቆርኔሌዎስ ኣብ ታስዐይቲ ሰዓት ዝተገለጸ (ግብ. 10፥3) ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ንበዓል ቅዱስ ሚካኤል ዕለታዊ፡ ወርኃውን ዓመታውን ትዝክሮን ተኽብሮን። ብፍላይ ድማ ዓመት መጸ 12 ኅዳር ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኽብር። ቅዱስ ሚካኤል ኣብዚ ዕለት ነዞም ዚስዕቡ ተኣምራት ገበረ፡- ንግሥት ኪልዎፓትራ ሳተርን ንዝተባህለ ጣዖት ዘሥርሓቶ ቤት፡ ቅዱስ እለእስክንድሮስ ፓትርያርክ እስክንድርያ (312-326 ዓ.ም.)ንከጥፍኦ ምስ ተለዓለ፡ ገና ኣምልኾተ ጣዖት ካብ ልቢ እቲ ሕዝቢ ስለዘይጠፍአ፡ ‘18 ፓትርያርካት ዘይተንከፍዎ ንስኻ ስለምንታይ ተፍርሰልና ኣሎኻ’ ኢሎም ተቓወምዎ። ቅዱስ እለእስክንድሮስ ግን ነቲ ሕዝቢ መኺሩ ምሂሩ፡ ናይ ሳተርን በዓል ይውዕለሉ ኣብ ዝነበረ ዕለት ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ንኸኽብሩ ኣዊጁ፡ ነቲ ቤት ጣዖት ብስም ቅዱስ ሚካኤል ሰይሙ ቤተ ክርስቲያን ገበሮ። ድኅሪ’ዚ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ክሕነፅን በዓሉ ክበዓልን ጀመረ።

ቅዱስ ሚካኤል – ባህራን

ከምኡ ውን ኣብቲ ኬልቄዴናውያን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳውያን ተላዒሎሙሉ ኣብ ዝነበሩሉ ማእከላይ 4ይ ክፍለ ዘመን ብሰማዕትነት ዝኃለፈት ግብጻዊት ኣፎምያን ሰብኣያን፡ ኣብ ወወርኁ ዕለት 12 ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል የኽብሩ ነበሩ። ሰብኣያ ቅድሚ ምማቱ፡ በዓል ቅዱስ ሚካኤል በብወርኁ ክትዝክር ሓደራ ኢሉ ሥእሊ ናይ ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሂብዋ ነበረ። ሰይጣን ብቀሺን ፈላሲን ተመሲሉ ብተደጋጋሚ እናመጸ ካብ ሕጂ ንደኃር ከምዚ ዝበለ ብስም ቅዱስ ሚካኤል እትገብርዮ በዓል፡ ግደፍዮ ይብላ ነበረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዕለት 12 ኅዳር ‘ኣነ ቅዱስ ሚካኤል እየ’ ኢሉ መጻ። እንተኾነ ግን በትረ መስቀል ብዘይ ምኃዙ ቅድስት ኣፎምያ ስለዝጠርጠረቶ፡‘ንስኻ ቅዱስ ሚካኤል እንተኾይንካ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ኣሎኒ፡ ከምጽኦ እሞ ተሳለሞ’ በለቶ። ሰይጣን ድማ ከም ዝፈለጠቶ ፈሊጡ ዘሊሉ እኳ እንተሓነቓ፡ ተረዳኢ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ቀልጢፍ መጺኡ ንዲያብሎስ ሰዓረላ። ካብዚ ንደኃር በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብሰፊሕ ክኸብር ጀመረ። (ድርሳነ ሚካኤል ዘኅዳር)

ኣብ ገድሊ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት’ውን ሓላዊ መልኣኽ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቅዱስ ሚዳኤል ንሞተሎሜ ሥዒሩ፡ ንእግዚእ ኃረያ ኣደ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ዳሞት ናብ ኢትሳ ከም ዝመለሳ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኣብ ገደለ ክርስቶስ ሠምራ’ውን ሓላዊ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ከምዝነበረን ኣብ ኵሉ ገድላ ድማ ይራድኣ ከም ዝነበረን ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ንረኽቦ።

ቅዱስ ሚካኤል ኣስመራ ጸጸረት

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ካብቶም ኣብ ሥነ ሥዕሊ ሰፊሕ ቦታ ዘለዎም ሓደ፡ ሥዕሊ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ኣብ መንጽር ማዕፆን ቤተ መቅደስ ብብዝሒ ተሣኢሉ ንረኽቦ። ኣብ መንደቕ ቤተ መቅደስ ዝሠኣሉ ኣሣእል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መንበሩ ከሎ ዘርእዩ እዮም። ኣብ ማዕጾ ቤተ መቅደስ ድማ ልብሰ ተክህኖ ለቢሱ ሴፍ ኂዙ ደው ኢሉ ከሎ ዘርእዩ እዮም። ኣብ ሥዕለ ኣድኅኖ ምስለ ፍቁር ወልዳ ብሸነኽ የማን ተሣኢሉ ንረኽቦ።

ቅሩበ መንበር ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ርኅሩኅ፤ ገባሪ ተኣምራት፤ ይቕረ በሃላይ ካብ መዓት ዝረሓቐ እዩ።(ሄኖ. 10፡12፣ 6፡2) ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ቅዱስ ሚካኤል ምእንቲ ሕዝቢ ዝራዳእ፤ ጸገም ሕዝቢ ዝፈትሕ፤ ምእንቲ ምሕረት ሕዝቢ ድማ ንሰይጣን ዝቓወምን ንእግዚአብሔር ዝልምንን እዩ። ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ብዛዕባ ቅዱስ ሚካኤል ዘለዎ ተራዳእነት ክገልጽ ከሎ “ሰብ ብዝገበሮ ነገር ንሕዝቡ ተኣዛዚ እዩ እሞ ካብቶም ዝኸበሩ መላእኽቲ ሓደ ሚካኤል እዩ” ይብል (ሄኖ. 6፡5) ሰማያዊ መልኣኽ ክንሱ ንዝተጨነቑ ዘረጋግእ፤ ንዝተጸገሙ ዝረድእ ገባሬ ሠናይ ቅኑዕ ሓላዊ እዩ።

ልቀ መልኣኽቲ ቅዱስ ሚካኤል – ገዳም ደብረማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ነቶም ብእግዚአብሔር ዝእመኑ ረድኤትን ምሕረትን ከምጽእ ከሎ፡ ነቶም ብኣንጻር ዘለዉ ድማ መዓት ዘውርድ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና። ንፈርዖንን ሠራዊቱን፡ ንሰናክሬምን ሠራዊቱን ዝወረዶም መቕሰፍቲ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ።(2ይ ነገ. 19) ስለዚ ንእስራኤል መልአከ ምሕረት፡ ንግብጻውያን መልአከ መዓት፤ ንሕዝቅያስ መልአከ ሣህል፡ ንሰናክሬም መልአከ ኀጕል ኮይኑ ከም ዝተለኣኸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ኣሎ።

ሎሚ’ውን ነቶም ብቃል ኪዳኑ ዝምሕፀኑን ዘኽብርዎን ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ይራዳእ ኣሎ። ትማሊ ንቅዱሳን ከምዝተራድኦምን ከምዝመስከሩሉን፡ ሎሚ’ውን ተኣምራቱን ተራዳእነቱን ኣይተቋረጸን። እዚ ንሕና ዘሎናዮ ወለዶ ብዘየገድስ፡ እቲ ቃል እሙን እዩ እሞ ቅዱሳን ሰባት ኣግሂዶም ንቅዱሳን መላእኽቲ ስለቲ እተዋህቦም ቃል ኪዳን ንምዝራብ ድኅር ኣይበሉን። “መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር፤ የናግፎም ከኣ” (መዝ. 34፡7) ኸኣ በሉ። ምኽንያቱ ንሳቶም ተረዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ዝፈልጡ ስለዝኾኑ ሓቀኛ ምስክርነቶም እዮም ሂቦም። “ብዘይካ ሚካኤል፡ እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።” (ዳን. 10፡21) “እንሆ ኸኣ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጽአ፡” (ዳን. 10፡13)። “ኣብ መንገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ፡ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ። ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይኃድግን እዩ።” (ዘፀ. 23፡21) ስም መላእኽቲ ብኸንቱ እናቃለልካ ምልዓል እዩ በደል እምበር ብተኣምኖ ዝግበር ኣኽብሮትን ልማኖን ደኣ ክንደይ ዓቢይ በረኸት ዘለዎ እዩ።

ወለድና ኣብ ዝቐደመ ሃይማኖም ጽኑዓት ብምዃኖም በረኸት ይረኽቡ ነይሮም። እዚ ወለዶ ግና ብብዙኅ ኑፋቄያዊ ነፋስ ዝተናወጸ ስለዝኾነ ብብዙኅ መንገዲ ዋላ ኣብ ‘ሃይማኖት’ ኣሎኹ ይበል እምበር ግብራዊ ሕጸጽ/ጉድለት/ ዘለዎ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ ክሓትትን ክረክብን ዘይረአ። ከም በዓል ነቢይ ዳንኤል ዝኣመሰሉ ኣቦታት፡ ክንደይ ዝኣክል ክሳዕ ፍጻመ ዓለም ዝዝርጋሕ ድንቂ ራእይን፡ ምድራዊን ሰማያዊን ምሥጢራት ዝረኣዩን ዝፈትሑን ዝተነበዩን ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን፤ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን መልኣኽን ዘሎ ፍልልይ ጠፊእዎም ኣይኮነን “ብዘይካ ሚካኤል ሓደ እኳ ዝሕግዘኒ የልቦን” ዝበሉ፡ ተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ኣጸቢቖም ስለዝረኣዩን ዝኣመኑን እዮም። ንሕና’ውን ኣሰር ቅዱሳን ነቢያትን ሐዋርያትን፡ ሊቃውንትን ካህናትን ንቅዱስ ሚካኤል ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝልምን ምዃኑ ፈሊጥና ብኣማላድነቱ ክንኣምንን ናይ ጸጋ ስግደት ክንሰግደሉን ይግብኣና። በዚ መንገዲ እንተ ኣቅናዕና፡ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ኣብ ኵሉ መንገድኻ ክሕልወካ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ’ሞ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍሲ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ክፆሩኻ እዮም” ዝበሎ እዩ። (መዝ. 91፡11-12)

ተራዳእነቱ ምስ ኵልና ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

https://www.lisantewahdo.org/…/2019-09…/item/407-10-21
Christian Religion