ብጹእ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዓሪፎም

ብጹእ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዓሪፎም

Share Eritrea Chat:
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘድሊ ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 2 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ – 5ይ ፓትርያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንኣፈጻጽማ ፕሮቶኮላዊ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክግለጽ ምዃኑ ይሕብር። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ፡ ብ13 ግንቦት 2021 እዮም 5ይ ፓትሪያርክ ወርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ተሸይሞም።
News