ጥንታዊ ታርኽ ፑንት ኣብ ሃገረ ኤርትራ

ጥንታዊ ታርኽ ፑንት ኣብ ሃገረ ኤርትራ

Share Eritrea Chat:

ምድረ-ፑንት – ኤርትራ ዝማእከሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገደመ ንግስነት!

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ ዝተቐልቀለ ንግስነት ኣኽሱም መሰረት ጥንታዊ ታሪኽ’ዚ ዞባና ከምዝኾነ ዝገልጽ ዝንቡዕ ታሪኽ ብኢትዮጵያውያን ተመራመርቲ ታሪኽን ደረስትን ይንገር’ዩ። እንተኾነ ካብ ንግስነት ኣክሱም ብልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ዝግድም ንግስነት ምድረ-ፑንት ነይሩ እዩ።

ምድረ ፑንት ካብ 2,500 ዓመት ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ { 4,500 ዓመታት} ማእከሉን መናሃርያኡን ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ዝነበረት ሓያልን ሰፊሕን ንግስነት ነይሩ። ካብ ኣዱሊስ ንሸነኽ ሰሜንን ደቡብን ንዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ናይ ሎሚ ኤርትራ ድማ የጠቓልል። ወሰናስኑ ከኣ ክሳብ ገለ ክፋል ሱዳን፡ ጂቡቲን ገለ ክፋል ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ይዝርጋሕ። ናብዚ ሎሚ “የመን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ደቡባዊ ዓረብ ሰጊሩ’ውን ይገዝእ ከምዝነበረ ዘመልክት ገለ ኣመታት ኣሎ።

ከም ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ሶማልያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት ንምድረ-ፑንት ናተን ታሪኽ ምዃኑ ክምጉታ’ኳ እንተጸንሓ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግና ናይ ኤርትራ ታሪኽ ምዃኑ ብመርትዖታት ከምዝተረጋገጸ ዳይረክተር ቤተ መዘክር ኤርትራ ዶክተር ዮሴፍ ልብሰ-ቃል ይገልጽ።

ምድረ-ፑንት “ምድረ-ኣምላኽ” ማለት እዩ ብኣጸዋውዓ’ቶም ኣብ ምድረ-ፑንት ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ቀዳሞት ግብጻውያን። በዚ መሰረት ምስ ግብጻውያን ብመጠኑ’ውን ምስ ፈኒቓውያን {Phonecians} ንግዳውን ባህላውን ዝምድናታት ነይሩዎ እዩ። ፈኒቓውያን ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ሓያል ንግስነት መስሪቶም ዝነበሩ ህዝብታት እዮም።

ንግስነት ምድረ-ፑንት ጉጭ ሓርማዝ {ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ ስኒ ሓርማዝ}፡ ወርቂ፡ ዕጣን፡ ከርበ [ቈርበት ጥሪትን ኣራዊትን ከምኡ’ውን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ጊላታት ናብ ደገ ዝልእኽ፣ ወይኒ፡ ኣስራዚ፡ ኒኬል ወዘተ ድማ ዘእቱ ምዕቡል ስልጣነ ከምዝነበረ ይሕበር።

ፑንታውያን ኣብ ከውሒ ብዝውቀር ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ፍሉጣት ከምዝነበሩን ንመነባብሮኦም ዝገልጽ ገለ ቅርስታት ከምዘሎን ከኣ ይንገር።

መወከሲ፡- ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ክሳብ ናጽነት (መጽሓፍ)

Shabait.com (ቃለ-መጠይቕ ዶ/ር ዮሴፍ ል/ቃል)

ቭድዮታት ብዛዕባ ፑንት ካብ ሃገረ ጀርመን ኣብዚ ትረኽቡ ትኽእሉ፥ ተወሳኺ ቭድዮ ካብ EriTV ብዛዕባ ኣዱሊስ ኣለኩም።

ኣስማት ቅድሚ 1890 ናይ ሎሚ ኤርትራ፥ ሓማስየን *(ሓማውያን ሰማውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተራኽቦም ማለት እዩ፥ ደቂ ሃምን ሰምን ማለት እዮም፥ ሃም ኩሽ ወለደ ካብኦም ኩሽቲክ [Kushitic] ተፈጠሩ)።

Ham and Shem meet in Eritrea – So it become the republic of Hama-siem(Hamasien it was whole Eritrea not only the three regions.)

መግለጺ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻማዊያን / ካማውያን ካም ማለቶም ደቂ ኩሽ ብናይ ሎሚ ዝፍለት ኩሽቲክ(Cushitic / Kushitic )፥ ኻማውያን ሰማውያን ኣብ ኤርትራ ተራኽቦም ሓም-ሴም ፈጥሮም ካብዝ Republic of Hamasien ቅድሚ ምእቲ ዓመት ተባህላ ትጽዋዕ ዝነበረት ካብ ደቂ ሃምን ሰምን ተፈጠረት ሓማሴን እያ ነራ። ሓማሴን ቅድሚ ምእቲ ዓመት ግን ንኩሉ እያ ትውክል ነራ ንሰራየ፥ ኣከሉጉዛይ፥ ዓንሰባ፥ ዳናኪል፥ ሰምሃር፥ ሳሐልን ጋሽ ባርካን።

ኦሪት ዘፍትረት ምዕራፍ ፲፥፮(10:6)

ኣብ ናይ ሄብራይስቲ መጽሓፍ ቅዱስ። Genesis Chapter 10 verse 6 ደቂ ሃም ኩሽ ከምዝኾነ ተገልጹ ኣሎ።

Genesis Chapter 10 from the Torah (תורה) in Hebrew

ባሕረ ነጋሽ(ንጉስ ናይ ባሕሪ)፥

ኣጋው*(ብሄር ቢለን ንከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ይመርሑ ነበሩ)፥

ኣዳል፥ ኣዱሊስ፥

መረብ ምላሽ*(ካብ መረብ ተመልስካ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንሕና ሓንቲ ሃገር እና፥ ዶብ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ መረብ እያ ትፊለ።)፥

ኣክሱም*(ኤርትራን፥ ጅቡቲ፥ ቻፍ ትግራይ፥ ከባቢ ባሕሪ የመን፥ ዶብ ሱዳን ምስ ናይ ሎሚ ኤርትራ) እዚ ኩሉ ተወሳኽን ካብ ናይ ሎሚ ኤርትራ እዩ ተመርሑ ተገዝኡ ነሩ።

ዝዓበየ ታርኽ ኸማን ፑንት ብ ግርክን ጥልያንን ዝፍለጥ ታርኽ እዩ። ሽም ኤርትራ ሳላ ታርኽና እና ተዋህብናያ። ኤርትራ ብናይ Latin ቋንቋ ቀይሕ ባሕሪ እዩ። ኢትዮጵያ ብናይ Latin ቋንቋ ጸሊም ን ሙሉእ ደቡባዊ ኣፍርቃ ትሕቲ ሳሃራ ትርከብ ኮምኡ እሎም ጸውዖሞ ነበሩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ብታርኹ ክቆርዕ ይኽእል እዩ።

Eritrea the land of Punt – Ancient Egypt trade route
History