Gift’s from Sudan’s Red Sea Region to the Ministry of Health in Eritrea

Eritrean Tigrigna News: ምምሕዳር ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፡ ንሚኒስትሪታት ጥዕና፡ ትምህርትን ኮሚሽን ስፖርትን ናይ ናውቲ ሓገዝ ኣበርኪቱ

ምምሕዳር ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣካላት ንዝተበርከተ ናውቲ፡ ንሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ’ውን ኮሚሽን ስፖርት ብ25 ግንቦት ብሓገዝ ሂቡ።
ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ፕሮፌሰር ኢብራሂም ገንዱር ከምኡ’ውን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክልቲአን ሃገራትን ወከልቲ ማሕበራትን ዝተረኽቡሉ ኣብ ሆቴል ኣስመራ
ፓላስ ዝተኻየደ ሰነ-ስርዓት ምርኽኻብ፡ እቲ ሓገዝ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት መበገሲ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

Sudan - Red Sea Region Gifts to the Ministry of Health in Eritrea

ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ናይ ወፍሪ፡ ባህሊ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲን ካልእ ጽላታትን ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ተፈሪሙ
ከምዘሎ፡ ኣብ እዋን ፈስቲቫላት፡ በዓላትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝርአ ናይ ምብጽጻሕ መደብ ድማ ኣካል ናይቲ ስምምዓት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጽንብል ናጽነትና ብምስታፎም ምስጋና ኣቕሪባ።
ምኽትል ፕረዚደንት ሱዳን ፕሮፌሰር ኢብራሂም ገንዱር ብግደኡ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታትን ህዝብታትን ንዘሎ ሓያል ታሪኻዊ ዝምድና ዘደንፍዕ መልእኽቲ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺር ሒዞም፡ ኣብ
ጽንብል መበል 23 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ምስታፎም ሓበን ከምዝስመዖም ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኡስታዝ መሓመድ ዩሱፍ ኣደም ብግደኡ፡ ስለ’ቲ ዝተገብረሎም ኣቀባብላን እንግዶትን ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድሕሪ ምምስጋን፡ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ መንጐአን ብዝግበር ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን እናዓመቘ ይመጽእ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እቲ ዝተበርከተ ሓገዛት ቀጻልነት ከምዝህልዎ ኣረጋጊጹ።
“እዚ ሓገዝ’ዚ መበገሲ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን” ዝበለ ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ ጣህር ኤላ ድማ፡ እቲ ተበርኪቱ ዘሎ ናውቲ ንኡስ መርኣያ ዕምቈት ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ድሕሪ’ቲ ናይ ምርክኻብ ስነ-ስርዓት፡ ነቲ ኣብ ጽንብል መበል 23 ዓመት ናጽነት ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተገይሩ።

– Haddas Ertra

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

By continuing to use the site, you agree to the use of cookies. more information

The cookie settings on this website are set to "allow cookies" to give you the best browsing experience possible. If you continue to use this website without changing your cookie settings or you click "Accept" below then you are consenting to this.

Close