ጾመ ነቢያት፡ ካብ ኃሙስ ፲፭ ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ ቀዳም ፳፱ ታኅሣሥ ፳፻፲ወ፭ እዩ!

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ኃሙስ ፲፭ ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ ቀዳም ፳፱ ታኅሣሥ ፳፻፲ወ፭ እዩ!

Share Eritrea Chat:

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ ፲፭(15) ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ ፳፰(28) ታኅሣሥ ይጽወም እሞ በዓለ ልደቱ ፳፱(29) ታኅሣሥ ፳፻፲ወ፭ ብምብዓል ይፍጸም። ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ክኸውን ከሎ ግና በዓለ ልደቱ ፳፰(28) ታኅሣሥ ብምብዓል ይፍጸም። በዚ መሠረት ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ሉቃስ

ቅዱስ ሉቃስ

፳፻፲ወ፭(2015) ዓ.ም. ጾመ ነቢያት ኃሙስ ፲፭(15) ኅዳር ጀሚሩ በዓለ ልደት ቀዳም ፳፱(29) ታኅሣሥ ብምብዓል ክፍጸም እዩ እሞ በረኸት ናይዚ ጾም እዚ ንሳተፍ።

ሓዋርያ ዮሓንስ

እዚ ጾም እዚ ኵሎም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳዕ ልደት ክርስቶስ ዝነበሩ ቐዳሞት ኣበውን ነቢያትን በብዘመኖም ንልደተ ክርስቶስ ብጾምን ጸሎትን እናተጸበዩ ዝጾምዎ እዩ።

ስህተተ ኣዳም ወሄዋን
ኣቦና ኣዳም ምስ ደቁ ኣቤልን ቃኤልን
በከመ ተሰዱ እም ገነት፥ አዳም፥ ወሔዋን

ንሕና ድማ ኣሰሮም ስዒብና በዓለ ልደት ቅድሚ ምኽባርና እዚ ጾም እዚ ብኣዋጅ ክጽወም ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሠሪዓትልና። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ 15) ቅዱሳን ነቢያት፡ ንተስፋ ኣዳም ንመደብ እግዚአብሔር ብዓይኒ እምነት እናጠመቱ ንዝረሓቐ ኣቕሪቦም፡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሖም፡ ትንቢት ተነበዩ፡ ሱባኤ ቈጸሩ፡ ብዛዕባ ልደት ጐይታና እናሓሰቡ’ውን ጾሙን ጸለዩን።

በዓል ልደት

በዓል ልደት ድንግል ማርያም ምስ ዮሰፍን ቅዱስ ውላድን መድኃነ ዓለም

ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት፦ ‘አንሥእ ኃይለከ . . . ፡ ፈኑ እዴከ እምአርያም’ በለ። (መዝ. 145፡7)

እግዚአብሔር

ካብ ዓበይቲ ነቢያት ነቢይ ኢሳይያስ’ውን ፦ ‘ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ፥ እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፥ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ’ (ኢሳ. 7፡14)፣ ‘በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሕዛብ ነቲ ንሕዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሡር እሤይ ክደልዩ እዮም፥ መኅደሪኡ ከኣ ክቡር ክኸውን እዩ።’ (ኢሳ. 11፡10) ከምኡ ድማ ነቢይ ሕዝቅኤል፦ ‘ድኅር’ዚ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ’ኳ ኣይክትድንጕን እያ፡ እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ’ ይብል እግዚአብሔር ኣምላኽ ኢልካ ከኣ ንገሮም።” (ሕዝ. 12፡28፡ 44:1-2) ነቢይ ዳንኤል ከኣ ብወገኑ፦ ብዛዕባ ኃጢኣቱን ኃጢኣት ሕዝቢ እስራኤልን ክጽሊ (ኪምህለል) ከሎ ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎ፦ “ንዕልወት መወዳእታ ክገብሮ ኃጢኣት ክውዳእ ኣበሳ ክዕረቕ ዘለዓለማዊ ጽድቂ ክኣቱ ራእይን ትንቢትን ክኅተም ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ክቅባእሲ ኣብ ሕዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ” (ዳን. 9፡24) . . . ወዘይመስሎ ኢሎም ተነበዩ።

መድሃነ ዓለም – እየሱስ ክርስቶስ

ስለዚ እዚ ጾም’ዚ ተስፋ ኣዳምን ትንቢተ ነቢያትን ብልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመሉ ጾም ስለዝኾነ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ልደት ይበሃል። ሎሚ ንሕና ንጾመሉ ምኽንያት ከም ቅዱሳን ነቢያት ‘ውረድ ተወለድ’ እናበልና እግዚአብሔር ወልድ ዳግማይ ክውለድ ኢልና ዘይኮነስ ብልደቱ ዝገበረልና ውዕለት እናዘከርና ኃጢኣትና ንምድምሳስን በረኸት ልደት ንምስታፍን እዩ። ነዚ ጾም’ዚ፡ ንሃገርናን ምሉእ ዓለምን ሰላም፣ ንቤተ ክርስቲያን ከኣ ሓድነትን ፍቕርን፡ ንኣገልገልቲ ትግሃትን ትሕትናን፡ ንምእመናን ጽንዓትን በረኸትን፣ ዝህብ ጾመ ሥርየት ገይሩ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም የብጽሓና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

https://www.lisantewahdo.org/…/347-2019-11-07-12-04-39

መድኅነ ኣለም – የሱስ ክርስቶስ
ፀሎተ ሐሙስ – ጸሎተ ሓሙስ
መድሃኔ ኣለም – Jesus Christ ኣብ ቤት መዘከር ግብጽ ካይሮ
Christian Religion