ርሑስ በዓል ትምቀት ይግበረልና – Rhus beal Timket Yegberelna

ርሑስ በዓል ትምቀት ይግበረልና – Rhus beal Timket Yegberelna

Share Eritrea Chat:

እንቋዕ ብሰላም ናብ በዓለ ጥምቀት ኣብጽሓና!

ክርስቶስ ተጠምቀ፤ ዳግማይ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ወለደና። ጥምቀት ማለት “አጥመቀ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወፅአ ኾይኑ “ምጥላቕ፡ ምጥልቃይ፡ መላእ ሰብነትካ ኣብ ማይ ምእታው” ማለት እዩ። 

“ወይቤሎ አማን አማን እብለከ ዘኢተወልደ ዳግመ ኢይሬእያ ለመንግሥተ እግዚአብሔር / ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ ኻልኣይ ዘይተወልደ ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ኣይርእያን እዩ።” (ዮሐ.፫፥፫ / 3፥3) ኢሉ ጐይታ ንኒቆዲሞስ ከም ዝነገሮ፣ ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ክንርእያ ግድነት ካልኣይ ክንውለድ ኣሎና። ቀዳማይ ልደት፡ ብሥጋ ኻብ ወለድና፣ ካልኣይ ልደት፡ ብነፍሲ ኻብ እግዚአብሔር ተወሊድና ደቂ እግዚአብሔር ንኸውን “እስመ ዘተወልደ እምሥጋ ሥጋ ውእቱ፣ ወዘተወልደ እመንፈስ መንፈስ ውእቱ/ እቲ ኻብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፣ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ መንፈስ እዩ።” (ዮሐ.፫፥፮ / 3፥6) ከም ዝብል።

እዚ ማለት ብሥጋ ምውላድ ካብ ኣብራኽ ኣቦን ማኅፀን ኣደን እዩ። ብመንፈስ ምውላድ ከኣ ኻብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ማኅፀን ዮርዳኖስን እዩ። በዚ ምኽንያት ንሰብ ክልተ ልደታት ኣሎዎ። እዚ ማለት ሓደ ጊዜ ዝተወልደ ክልተ ጊዜ ይመውት ክልተ ጊዜ ዝተወልደ ሓደ ጊዜ ይመውት። እዚ ኸኣ ኻብ ኣቦን ኣደን ጥራይ ዝተወልደ ብሥጋን ብነፍስን ይመውት፣ ካብ ኣቦን ኣደን ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዝተወልደ ግና፡ ብሥጋ ጥራይ ይመውት ብነፍሲ ግና ሕያው ይኸውን። “ሽዑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ፡ ብኢድ ዮሐንስ ክጥመቕ መጽአ።” (ማቴ ፫፥፲፫ / 3፥13)። በዚ መሠረት ከኣ ጐይታ ሠላሳ ዓመት፡ ቅዱስ ዮሐንስ ሠላሳ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ምስ ገበሩ ጐይታ ናብ ዮሐንስ ብምኻድ ተጠምቀ። “ጊልያ ናብ ጐይታኡ ይኸይድ እምበር ጐይታ’ዶ ናብ ጊልያኡ ይኸይድ እዩ፧” እንተበልና፡ ጐይታ ዝመጽአ ንትሕትና እዩ እምበር ንልዕልና ኣይኮነን። “ክርስቶስ ግና ንሰባት ከገልግል እምበር፡ ሰባት ከገልግልዎ፡ ናብዚ ዓለም እዚ ኣይመጽአን” (ማቴ. ፳፥፳፰ / 20፥28) ከምዝብል።

ጐይታ ካብ ገሊላ ብኢድ ዮሐንስ ኣገልጋሊኡ ንኺጥመቅ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ምኻዱ፡ ነገሥታት ይኹኑ ሃብታማት ሰባት፡ ንካህናት “ኣብ ቤትና መጺእኩም ኣጥምቑና።” ንኸይብሉ ካህናት ናብ ዘለውዎ ቤተ ክርስቲያን ኬድኩም ተጠመቑ፡ ንምባል ንሱ ባዕሉ ኣርኣያ ኾነልና። ቅዱስ ዮሐንስ ጐይታይ “ኣነ ናባኻ ኽመጽእ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብኣኒ እምበር፡ ንስኻዶ ናባይ ክትመጽእ ይግባኣካ፧” በሎ። ከምዚ ዝበለሉ ምኽንያት “ሕፃን ቋንቋ ኣደኡ የጽንዕ” ከም ዝበሃል ቅድስት ኤልሳቤጥ፡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናብኣ ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን “ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጽኢ፡ ኣነ መን እየ” ኢላታ ስለ ዝነበረት እዩ (ሉቃ.፩፥፵፩-፵፬ / 1፥41-44)። ካብ’ዚ እንመሃሮ ሕፃናት ጠባያት አደታቶም ዘጽንዑ ኻብ ኮኑ ወለዲ ንደቅና ናይ ጽቡቕ ሥነ ምግባር ኣብነት ክንከውን ከምዘሎና ንመሃር። ጐይታ ድማ “ ሓንሳእ’ሲ ኅደግ ደኣ” በሎ። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ዝጥመቖ ጥምቀት ብፍቃዱ ምዃኑን ሓንሳእ ምስ ተጠምቀ ድማ ካልኣይ ምጥማቕ ስለ ዘይብሉን እዩ። ካብ እዚ ድማ ምሥጢረ ጥምቀት ከም ዘይድገም ንርዳእ። ቀጺሉ ጐይታ “ እዚ ንኣና ሓጐስና እዩ፡ ሓቀኛ ናይ ሰብ ሥራሕ ምሥራሕ ይግብኣና እዩ” በሎ (ማቴ. ፫፥፲፭/ 3፥15)። እዚ ማለት ንስኻ ንኣይ ኣጥሚቕካ “መጥምቀ መለኮት” ተባሂልካ ልዕልናኻ ኺንገረልካ ይነብር፣ ኣነ ድማ ብኢድካ ተጠሚቐ “ብኢድ ወደመዝሙሩ ተጠሚቑ” ተባሂሉ ትሕትናይ ክንገረለይ ይነብር። ድኅር’ዚ ቅዱስ ዮሐንስ ነቲ ጐይታ ዝበሎ ምስተረድአ፡ ሓደ ሕቶ ኣቕረበሉ “ስመ አብ ብከ፡ ወስመ ወልድ ለሊከ፡ ወስመ መንፈስ ቅዱስ ህልው ውስቴትከ፣ ባዕደ ሶበ አጠምቅ በስምከ አጠምቅ፣ ወኪያከ ሶበ አጠምቅ እግዚኦ ምንተ እብል / ስም ኣቦ ኣባኻ ህልው ዚኾነ፣ ስም ወልድ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ፣ ስም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣባኻ ህልው ዝኾነ፣ ንኻልእ ከጥምቕ ከሎኹ ብስምካ አጥምቕ ንኣኻ ኸጠምቕ ከሎኹ ግና ኦ ጐይታ እንታይ ክብል፧” በሎ ጐይታ ድማ “ወልዱ ለቡሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፣ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ/ ከም ሽመት መልከጼዴቅ፡ ንስኻ ንዘለዓለም ካህን ወዲ ቡሩኽ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና” ኢልካ ኣጥምቐኒ በሎ። ድኅር’ዚ ኢድ ንኢድ ተተኃኂዞም ናብቲ ማይ ኣተዉ። ጐይታ ምስ ተጠምቀ፡ ሽዑ ኻብ ማይ ወፅአ። ጥምቀት ንዅሉ ሰብ ዝተሠርዐ ስለዝኾነ ድማ ጥምቀቱ በቲ ድኻን ሃብታምን ኪረኽቦ ዝኽእል ማይ፣ ከምኡ’ውን ትንቢት ንምፍጻም “እነዝኀክሙ በማይ ወትነጽሑ እምርኵስክሙ” ብዝበሎ ብማይ ገበሮ።

ቅዱስ ዮውሃንስ ምስ መድኃነ ዓለም – መስሕ – የሱስ ክርስቶስ

ዝያዳ መልእኽቲ ካብ ልሳን ተዋህዶ ትረኽቡ ትኽእሉ፥ https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-30-12-08-10/item/1581-2023-01-18-12-11-09?fbclid=IwAR2haCnbRSK4Z4ErUfV8Y2kFqHJArYQZ3IFbeXh225rP7GuKs8W8ArxVW5M

Christian Religion